ኤርትራ ስለምንታይ ኣንጻር ናይቲ ንሩስያ ዝኹንን ሓድሽ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ከምዘድመጸት ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላው ኲናት ዩክረይን ዘጽደቖ ሓድሽ ውሳነ "ፖለቲካዊ" ቃና ዘለዎ'ዩ ብምባል ከምዘይደገፈቶ ኣፍሊጣ።
እቲ ትማሊ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ን"ወራር ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ሳዕቤናት" ዝምልከት ኮይኑ፡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሲቪላውያን፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሓካይምን መሳርሒታቶምን ምሉእ ውሕስነት ክረኽቡ ዝጽውዕ'ዩ።
ሲቪላውያን ዝጥቀምሉ ትካላት ጥዕና ይኹን መጓዓዝያ ዝርከቦ ትሕተ-ቅርጺ'ውን ካብ ዕንወት ክድሕን ዝብሉ ነጥብታት'ውን ኣብቲ ውሳነ ሰፊሮም ኣለዉ።
እቲ ውሳነ ደገፍ ናይ 140 ሃገራት ክረክብ እንከሎ፡ ሓሙሽተ ሃገራት (ኤርትራ፡ ሩስያ፡ ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያን ቤላሩስን) ተቓዊመንኦ፡ ዝተረፋ 38 ድማ ድምጸ-ተዓቅቦ ሂበናሉ ኣለዋ።
ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ እማመ ንሩስያ ከምወራሪት ወይ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ሳዕቤን ናይቲ ሩስያ ዝኣወጀቶ ኲናት ተባሂሉ ብምጥቃሱ ሃገሩ ክትድግፎ ከምዘይክኣለት ገሊጹ።
"ኤርትራ ንሰብኣዊ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቃና ምሃቡ፡ ቀንዲ ሰብኣዊ ኩነታት ህዝብታትን ሃገራትን ንምፍታሕ ዝዕንቅጽ'ዩ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ኣብ ክንድኡ፡ ኤርትራ ነቲ ንሩስያ ዘይጠቅስ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበን ተቐባልነት ዘይረኸበን እማመ ከምእትድግፍ ገሊጻ።
እዚ ሓድሽ ውሳነ ናይ ኩለን ሃገራት ደገፍ ክረክብ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ 140 ሃገራት ዝደገፍኦ ምዃኑ "ሞስኮ ኣንጻር ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ተጻብኦታት ብህጹጽ ደው ከተብሎ ዝጽውዕ ጠለብ ማሕበረሰብ ዓለም ምዃኑ ዘርኢ'ዩ" ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስሚሩሉ።
ኤርትራ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ዝሓለፈ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኹንን ውሳነ ብምንጻግ'ውን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይዝከር።
ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን፡ መትከላት ሰባውነትን ዘይሻራውነትን ክረጋገጽ ኣለዎ ዝበለት ኤርትራ፡ "ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት" ድሕነት ኩሎም ሲቪላውያን፡ እንኮላይ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ክሕልዉ ተማሕጺና።
"እቲ ግጭት ብዝርርብን ዲፕሎማስን ሰላማዊ ፍታሕ" ክርከበሉ ብምጽዋዕ ድማ፡ "እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት" ንምፍጣር ኣንጻር ሩስያ ወፍርታት ምግባር ሓደገኛ'ዩ ኢላ።
"ሰላማዊ ዓለማዊ ስርዓት ምእንቲ ክህሉ በቲ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ምሉእ ብምሉእ ዝኽበረሉ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ክንምራሕ ኣለና" ክትብል ኤርትራ ትምጉት።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ሰፊሕ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዘስዓበ ኲናት፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ከምዝተፈናቐሉን፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ካብኦም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃደሙን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ዛጊት ልዕሊ 1000 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ'ሎ።
ኣመሪካ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዩክሬናውያን ንምቅላል ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምእትህብ ከተፍልጥ እንከላ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካናዳን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ወገናት'ውን ደገፋቶም ክቕጽሉ ምዃኖም ተመባጺኦም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







