ኵናት ዩክረይን፡ ሮማን ኣብራሞቪች ወናኒ ክለብ ቸልሲ ንከይኸውን ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ወናኒ ቸልሲ ነበር ሮማን ኣብራሞቪች ብዓባይ ብሪጣንያ ማዕቀብ ስለዝተገብሉ ዳይረክተር ክለብ ቸልሲ ንከይኸውን ፕሪመርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣጊዱዎ።
ሮማን ኣብራሞቪች ካብ 2003 ኣትሒዙ እዩ ንፕሪመርሊግ ክለብ ቸልሲ ክውንና ጸኒሑ።
ብተወሳኺ ትማሊ ቀዳም ደጋፊ ሃዩንዳይ ስሊቭ ምስ ክለብ ቸልሲ ዘለዎ ርክብን ስምምዕን ተወንዚፉ ኣሎ።
መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ኣብራሞቪች፡ ከም ክለብ ቸልሲ ዝኣመሰለ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንብረት ተኣጊዱ ኣሎ።
እቲ እገዳ ከኣ ነታ ሩስያዊ ክውንና ዝጸንሐ ክለብ ቸልሲ ክዕድጋ ንዝደሊ ድፍረት ከሊኡዎ ይርከብ።
ፕሪመር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብራሞቪች ካብ ዳይረክተር ናይታ ክለብ ምእላዩ "እታ ክለብ ልምምድ ክትገብር ኮነ ኣብ ሜዳ ንክትጻወት ኣይዕንቅፋን እዩ" ኢሉ።
ጉዳይ እገዳ ኣብራሞቪች ብ02 መጋቢት ኣብ ባይቶ ምስተላዕለን ከም ዳይረክተር ክለብ ቸልሲ ካብ ቦርድ ምስተኣልየን፡ ንመሸጣ እታ ጋንታ ኮነ ኣብ ዋንነታ ዝህሉ ብርኪ ኣንቆልቊሉ ኣሎ።
ኣብራሞቪች ክለብ ቸልሲ ንኣመሪካዊ ናይ ወፍሪ ትካል ረይን ግሩፕ ብ3 ቢልዮን ፓውንድ ክሸጠሉ እኳ እንተሓሰበ፡ ክኢላታት ፋይናንስ ግን እቲ ዋጋ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት ከንቈልቍል ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ትማሊ ሓሙስ እቲ ኣብ ኣብራሃሞቪች ዝተነብረ ማዕቀብ፡ ኣብ ጉዳይ መሸጣ እታ ክለብ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ምስተዘርበ ረይን ግሩፕ ንመስርሕ እቲ መሸጣ ንግዚኡ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ።
እቲ መንግስቲ ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንመሸጣ ዝቕርብ ፍሉይ ፍቓድ ናይታ ክለብ ኣረኣእያ ክገብር ከምዝኽእል ይዝረብ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ሓደ ካብ ሃብታማት ሩስያን ቀንዲ መሓዛ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ኣብራሞቪች፡ ንመሸጣ ዘሰላስል ዝኾነ ዘተስፉን ዘተባብዕን ሓበሬታ ኣይተዋህበን ዘሎ።
እቲ ብመንግስቲ ዝውሃብ ፍሉይ ፍቓድ እንተተፈጺሙ፡ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክኽፈሉ ፡ ከምኡ 'ውን እቶም ትኬት ዝሓዙ ሰባት ግጥማት ክዕዘቡ ናብ ስታድዩም ክኣትው የፍቅድ ።
ይኹን እምበር፡ ቸልሲ ነቲ ዛጊት ዘይተሸጠ ናይ መእተዊ ትኬት ገንዘብ ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ።
ከምኡ እውን ንጸወታ ዋንጫ ኤፍ ኤን ናይ መጻኢ ግጥማት መእተዊ ክፍሊትን፡ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ካብቲ ብጨንፈር ናይቲ ክለብ ዝሽየጥ ሸቐጥ ገንዘብ ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ ኣብራሞቪች እተነብረ ማዕቀብ ኣብ ቦትኡ እንከሎ እቶም ናይ ኣውሮጳ ቻምፕዮንስ ተጻወትቲ ክዕድጉን ክሸጡን ወይ ሓድሽ ውዕል ከቕርቡ ኣይክእሉን። ክሳብ ሕጂ ከኣ ወናን ናይታ ክለብ ንሱ እዩ ዘሎ።
መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ቸልሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንእትገብሮ ጸወታታት ዝኸውን ካብቲ ዝጸንሐ 500,000 ፓውንድ ትማሊ ሓሙስ ክሳብ 900,000 ፓውንድ ወጻኢታት ንኽግበረላ ብምፍቃድ፡ ነቲ ናይ ንግዲ ፍቓድ ምምሕያሽ ገይሩሎ ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ንመገሻ ዝኽፈል ወጻኢ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ካብ 20,000 ፓውንድ ንላዕሊ ኣይተፈቕደን።
እቲ ናይ ኣሰራርሓ ፍቓድ፡ እታ ክለብ ካብ ዝጸንሐ ውድድራት ኣብ ነፍስ ወከፍ ዙርያ ንኽትሰግር ናይ ፕሪመር ሊግን ቻምፕዮንስ ሊግን ክፍሊትን ናይ ገንዘብ ሽልማትን ንኽትረክብ የኽእላ።
እቲ ናይ ፍቓድ ምቅይያራት ከም እተገብረ ካብ ዲጂታል፡ ባህሊ ፡ መራኸቢ ብዙሃንን ስፖርትን (ዲሲኤምስ) ዝወጸ መግለጺ የረጋግጽ።
እቲ ሊግ ንኣብራሞቪች ከም ዳይረክተር ክለብ ንኸይቅበሎ ዝገበሮ ውሳነ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ እውን ሓቢሩ ።
"መንግስቲ፡ ነቶም ንስርዓት ፑቲን ኣኻእሎ ዝህቡ ተሓተትቲ ክንገብሮም ከም ዘሎና ንጹር ገይሩልና ኣሎ" ይብል መግለጺ እቲ ትካል።
ሃዩንዳይ ነቲ ምስ ቸልሲ ዝነበረ ስምምዕ ኣወንዚፉዎ ኣሎ።
ሃዩንዳይ ዝስሙ ናይ ደቡብ ኮርያ መኪና ዘፍሪ ትካል፡ ነቲ ምስ ቸልሲ ዝነበሮ ናይ 40 ሚልዮን ፓውንድ ውዑል ናይ ካናቴራ ሰሪዙዎ።
ሃዩንዳይ ኣብ 2018 ምስ ብሉዝ ናይ ብዙሕ ዓመታት ሽርክነት ስምምዕ ፈሪሙ።
ሃዩንዳይ እውን ልክዕ ከም ሰለስተ ካልኦት፡ ኣርምኡ ካብ ማልያ እታ ጋንታ ብቕልጡፍ ንክወጽእ ሓቲቱ ኣሎ ።
ኩባንያ ሃዩንዳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝሓየሉ መሻርኽቲ ብምጽንሑ ኣብ ስፖርት ጽቡቕ ጽልዋ ጸኒሑዎ እዩ።
"ምስ ቸልሲ ብዘሎና ርክብ፡ በቶም ተጻወትቲ፡ ደገፍትን ሕብረተሰብ ኣፍቀርቲ ኵዑሶ እግሪን ንሕበን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት፡ ነቲ ኣብታ ክለብ እነካይዶ ዘሎና ናይ መሸጣን ሽርክነትን ንጥፈታት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ እንረክብ ክነጽንሖ ወሲንና ኣለና" ኢሉ ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







