ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ንኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክህብ ተሓቲቱ

ኤሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢንተርነት ከይቋረጽ ዝሰግአ ወናኒ ስፔስ-ኤክስ ማስክ፡ "ስታርሊንክ" ሽሓኒታት (ዲሽ) ንዩክረይን ሂቡ

ንዩክረይን ዝደገፈ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ንኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክህብ ጻውዒት ቀሪብሉ።

ኢንተርነት ከይቋረጽ ዝሰግአ ወናኒ ስፔስ-ኤክስ ማስክ፡ "ስታርሊንክ" ሽሓኒታት (ዲሽ) ንዩክረይን ድሕሪ ምሃቡ'ዩ እቲ ሕቶ ቀሪቡሉ።

ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን 'ስታርሊንክ ፎር ኤርትራ' (#Starlink4Eritrea) ዝብል ሃሽታግ ብምድላው፡ ነታ ብሰንኪ ስእነት ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ዓለም ተነጺላ ዝጸንሐት ሃገሮም ኢንተርነት ክትረክብ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኤርትራ ዝተሓተ ተበጻሕነት ኢንተርነት ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ዓለምለኻዊ ማሕበር ቴለኮሚኒኬሽን ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ልዕሊ 1% ሚእታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ'ዩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝረክብ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

መንግስታዊ ትካል ኤሪቴል፡ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎታት ቴለፎንን ኢነተርነትን ዝህብ እንኮ ትካል እዩ።

ዋላ'ኳ ናይ ብሕቲ ካፌታት ኢንተርነት እንተለዋ፡ እቲ መስመር ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ ኣድማዕነት የብሉን።

ንመንግስታዊ ምቁጽጻር ብምጥሓስ ፌስቡክን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጥቃም፡ ሰባት 'ቪርቹዋል ፕራይቨት ነትዎርክ (VPN) ይጥቀሙ።

ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ካብ ትረክብ ይኹን፡ ኣብ 1993 ናጽነታ ብወግዒ ካብ ዝኣወጀትሉ እዋን ኣትሒዛ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ያ ትምራሕ ዘላ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ኣይተኻየደን። መንግስቲ ንዝኾነ ኣንጻር መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቃወሙ ፖለቲከኛታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዝሰወሮምን፡ ንጋዜጣታት ብሕቲ እታ ሃገር ካብ 2001 ጀሚሩ ከምዝዓጸዎምን ተሓለቕቲ ይገልጹ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኹንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ሩስያ ከምዘለዋ ዘነጸራ ሃገራት እያ። እተን ካልኦት ኣርባዕተ፡ ሩስያ ባዕላ፡ ቀንዲ ጎረቤታ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያን ሶርያን እየን።

ስታርሊንክ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዝተዘርግሐ 'ፋይቨር ኦፕቲክ' ገመድ፡ በተን ኣብ ዑደት ዘለዋ ሳተላይታቱ'ዩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህብ።

እተን ሳተላይትን ግን ብመንገዲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደበር'የን ነቲ ኣገልግሎት ክህባ ዝኽእላ።

ኣብቲ ናይ ዩክረይን ኩነታት፡ ኣብ ጎረቤት ሃገረ ፖላንድ ሓደ መደበር ከምዘለዎ ይፍለጥ።