ቅልውላው ዩክረይን፡ ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ንቸልሲ ክሸጣ ከምዝወሰነ ገሊጹ

ባንዴራ ክለብ ቸልሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 2003 ሮማን ኣብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ኣብ 2003'ዩ ዓዲግዋ

ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንቸልሲ ናይ ምሻጥ ውሳነ 'ከቢድን ኣቐንዛውን' ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ሩስያዊ ቢልዮነር፡ ካብ መሸጣ እታ ክለብ ሳንቲም ከየጉደለ፡ ብምልኡ ንግዳያት ኵናት ዩክረይን ከውዕሎ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሮማን ኣብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ዝገድፋ ዘሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ'ዩ።

ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኸኣ ነቶም መስረትቲ እታ ክለብ ምሉእ ውክልና ሂቡ ከምእትካየድ ክገብር ከምዝኽእል'ውን ኣተንቢሁ።

እታ ኣብራሞቪች ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ከምዘውጽኣላ እትግመት ቸልሲ፡ ቢልዮነር ሃንስጆግ ዌይስ ክገዝኣ ከምዝኽልእ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ወዲ 55 ዓመት ሮማን ኣብራሞቪች ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ፡ ንሱ ግን ነዚ ኣይኣምነሉን እዩ።

ኣብራሞቪች ንቸልሲ ብ3 ቢልዮን ፓውንድ ክሸጣ መደብ ከምዘለዎ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብራሞቪች ንቸልሲ ክሸጣ ዝወሰነሉ ምኽንያት ክገለጽ እንከሎ "በዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት፡ ነታ ክለብ ክሸጣ ወሲነ ኣለኹ፡ ከምእምነተይ እንተኾይኑ ንረብሓ እታ ክለብ፡ ንደገፍቲ፡ ንሰራሕተኛታት ከምኡ'ውን ንመሻርኽትን ንመወልቲ እታ ክልብን ኢለ ዝገብሮ ዘለኹ'ዩ" ኢሉ።

ሮማን ኣብራሞቪች፡ ኣብ መግለጺኡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘይምግላጹን፡ ቅድሚ ናብ ውሳነ ምብጽሑ ወይ ናብ ህዝቢ ምሕባሩ ምስ ተጻወትቲ ቸልሲ ዘይምምኽኻሩን ብዙሕ ነቀፌታታት የጋጥሞ ኣሎ።

ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች

ምንጪ ስእሊ, Artyom Geodakyan

መግለጺ ስእሊ, ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች

ሩስያዊ ቢልዮነር ሮማን ኢብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ኣብ 2003 እዩ ብ140 ሚልዮን ፓውንድ ዓዲግዋ።

ኢብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ምስ ዓደጋ ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ብምውጻእ ሓንቲ ካብ ዝበለጻ ክለባት ዓዲ እንግሊዝን ዓለምን ክገብራ ከምዝኽኣለ ይግለጽ።

ኣብ እዋን ዋንነቱ ኸኣ ሓያለ ዋንጫታት ክትዓትር ኣኽኢልዋ'ዩ፡ ክልተ ግዜ ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ሓሙሽተ ግዜ ፕሪሜርሊግ፡ ሓሙሽተ ግዜ ኤፍኤ ካፕ፡ ክልተ ግዜ ዩሮፕያን ሊግ ከምኡ ኸኣ ሰለስቴ ግዜ ሊግ ካፕ ካብ ከምእትዕወት ገይሩ።

ሮማን ኣብራሞቪች ግዳይ ቁጠባዊ እገዳ ከይኮነ እንከሎ ንቸልሲ ይሸጣ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ጋንታ ኤቨርተን ልዑል ብርኪ ዘለዎ ሩስያዊ ቢልዮነር ኣልሸር ኡስሞኖቭ ዝርከቦም ሓያለ ሃብታማት ሩስያውያን ብሕብረት ኣውሮጳ እገዳ ተነቢርዎም ኣሎ።

ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣብራሞቪች ይኹን ኣልሸር ኡስሞኖቭ እገዳ ኣየንበረትን ዘላ፡ ካብ ሰልፊ ሸቃሎ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ዝኾነ ክሪስ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ ግን "ኣብራሞቪች እገዳ ከይግበረሉ ብምፍራሕ እዩ ንቸልሲ ክሸጣ ወሲኑ ዘሎ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብረቡዕ ካብ ኣባለት ባይቶ ንዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ዝምልሰሉ ዝነበረ፡ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ሮማን ኣብራሞቪች እገዳ ከምዘይተነበረ ካብ ኣባል ባይቶ ከይር ስታርመር ኣብ ዝተሓተተሉ "ኣብዚ መድረኽ እዚ ንውልቀሰባት ኣመልኪትና ርእይቶ ክንህብ ቦትኡ ኣይኮነን" ዝብል መልሲ'ዩ ሂቡ።