ውድድር ጽባቐ፡ ወይዘሪት ስሪላንካ ኣብ መድረኽ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ተጎዲኣ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ስሪላንካ ኣብ መድረኽ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ጉድኣት በጺሑዋ።
ብሰንበት፡ ፑሽቲካ ዴ ሲልቫ 'ወይዘሪት ስሪላንካ' ተባሂላ ክትዕወት እንከላ፡ እቲ ስነ ስርዓት ብቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ይመሓላለፍ ነይሩ።
ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ወይዘሪት 2019 ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዴ ሲልቫ ናይዚ ዓመት ተዓዋቲት ሓዳራ ዝፈትሐት ስለ ዝኾነት እቲ ዘውዲ ኣይህባን ብምባላ ዕግርግር ተላዒሉ።
ዳያኑ እቲ ውድድር ከኣ፡ ዴ ሲልቫ ሓዳራ ከም ዘይፈትሐት ብምርግጋጽ ሽልማት ውድድር ጽባቐ 2021 ክወሃባ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ ኣሎ።
እቶም ዳያኑ፡ ወይዘሪት ዴ ሲልቫ ተዓዋቲት 2021 ምዃና ኣብ ኮሎምቦ ወግዓዊ ክገብሩ እንከለው፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ግን ተቓዊማ።
ብ2019 ተዓዋቲት ዝነበረት ካሮላይን ጁሪ፡ ተወዳደርቲ ጽባቐ ሓዳር ዝገበራ እምበር ሓዳረን ዝፈትሓ ክኾና የብለንን ዝብል ሕጊ ብምጥቃስ ዘውዲ ጽባቐ ወይዘሪት ዴ ሲልቫ መንጢላታ።
"ሓዳር ዝገበራን ዝፈትሓን ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝተቐመጠ ሕጊ ኣሎ፤ ስለዚ እቲ ዘውዲ ነታ ካልኣይ ዝወጽአ'ዩ ዝግብኣ" ክትብል ኣብቲ መድረኽ ተዛሪባ።
ድሕሪ'ዚ እቲ ዘውዲ ነታ ካልኣይ ዝወጽአት ክትህባ እንከላ፡ ወይዘሪት ዴ ሲልቫ እናበኸየት ካብቲ መድረኽ ወጺኣ ከይዳ።
ኣዳለውቲ እቲ ውድድር፡ ንወይዘሪት ዴ ሲልቫ ይቕሬታ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ሓዳራ ዝፈትሐት ዘይኮነትን ካብ ሓዳራ ዝተፈላለየት እያ ኢሎም።
ወይዘሪት ዴ ሲልቫ ኣብቲ ዕግርግር ኣብ ርእሳ ጉድኣት ስለ ዝበጽሓ ናብ ሕክምና ከም ዝኸደት ብፌስቡክ ገሊጻ።
"ሓዳረይ ዝፈታሕኹ ጓል ኣንስተይቲ ኣይኮንኩን፡ ዝበለት ዴ ሲልቫ፡ "ትኽክለኛ ንግስቲ ዘውዲ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣይትምንዝዕን፤ እኳ ድኣ ብሚስጢር ንካልእ ጓል ኣንስተይቲ ዘውዲ ተጥልቕ" ኢላ።
ዳይሬክተር ወይዘሪት ስሪላንካ ቻንዲማል ጄያሲንግሄ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ዘውዲ ሎሚ ንወይዘሪት ዴ ሲልቫ ክምለሰላ'ዩ እዩ።
"ሓዚንና ኢና፤ ንዓና'ውን ኣሕፊሩና'ዩ" እውን ኢሉ።
ውድድር ወይዘሪት ስሪላንካ ኣብታ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝካየዱ ዓበይቲ ውድድራት ሓደ ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ካብ ሞንጎ እቶም ዕዱማት ነይራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







