ብሄራዊ ኩርዓት ኦሮሞ ብቅዲ ክዳን እንትግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Elias
ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም ህዝቢ ኦሮሞ፡ ክሳብ ቀረባ ዓመታት ባህሎምን መንነት ብሄሮምን ኣውጺኦም ንምዝራብ ኮነ ንምጉላሕ ስክፍ ይብሉ ነይሮም።
እዚ ድማ፡ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ንምዝራብ’ውን ዝሓውስ’ዩ።
መብዛሕትኦም፡ ኣብ ማእከል ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኾይኖም ብቋንቁኦም ክዛረቡ ከም ዝሰግኡ ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣይኮንኩምን ካብ ዝብል ተረኽ ዝነቅል ምዃኑ ይዛረቡ።
እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንደሓር ፖለቲካዊ ንቕሓት ተሓዊሱዎ፡ ብዙሓት መናእሰይ ኦሮሞ፡ ብባህሎምን ታሪኮምን ኩርዓት ከም ዝስምዖም ክገልጹ፤ ንባህላዊ ክዳን እቲ ህዝቢ ድማ ብሓድሽ ቅዲ ከመላኽዑዎ ጀሚሮም።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ምስጋና (በዓል ኢሬቻ) ጎሊሑ ተራእዩ እዩ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከም ኣንቲኮ ዲዛይን ዝበሉ ሰብ ሞያ ዘበናዊ ቅዲ ዓለባ፡ ነቲ ዝነበረ ብምውሳድ’ዮም ዘመናዊ መልክዕ ዘትሕዙዎ።
ቀይሕ፣ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ልዑል ቦታ ዘለዎምን መግለጺኡን ኮይኖም ክውሰዱ ከለው፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕዝኦ ስንቄ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በትሪ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ጓል ኣንስተይቲ ንርእሳ ንምክልኻል እትጥቀመሉ ባህላዊ ውርሻ ምዃኑ ይእመን።

ምንጪ ስእሊ, Elias Badhaasaa
እዚ ኣብ ላዕሊ እትርእዩዎ ዘለኹም ብቅዲ ክዳን ኩሽ ዝተሰርሑ ባህላዊ ክዳውንቲ ኦሮሞ’ዮም።
ሰኣሊ ኤሊያስ ባድሃሳ “ቅድም ኢሉ ናትና ዘይኮነ ናይ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ባህሊ ክስኣል’የ ዝርኢ ነይረ” ይብል።
“ድሕሪኡ ስለምንታይ ኢና ናይ ባዕልና ዘይነዕቢ ኢለ ንርእሰይ ሓቲተ። ኦሮሞ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ዝርአ ህዝቢ ክኸውን እውን ደልየ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Dagim Getachew
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ትሕዝቶታት ኣለው።
እዘን ኣብ ላዕሊ ቓርሒት ሒዘን እትርዩወን ዘለኹም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምብራቕ ኦሮሚያ ዝመጽኣ እየን። እቲ ዝተዓጠቕኦ መቐነት ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ክልል ዝዝውተር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Dagim Getachew
በዓል ኢሬቻ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሳተፍሉ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጽሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ኢሬቻ ዘኽበረ ሰብ ውሑድ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብቲ ጽምብል ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ኣስታት 55 ሰባት ሞይቶም’ዮም። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ቁጽሪ ብኣማኢት ከም ዝግመት ይገልጹ።
እዚ ክስተት፡ ህዝቢ ኦሮሞ ፖለቲካውን ቁጠባውን ወጽዓ ይበጽሖ ኣሎ’ዩ ናብ ዝብል ዓመጽ ዓብዩ።
ድሕሪኡ’ዩ ካብቲ ክልል ዝወጽአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ደይቡ። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኦሮሚያ ኣይተረጋግአትን።

ምንጪ ስእሊ, 9adhii
መነእሰይ ኦሮሞ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ናይ'ቲ ክልል ንክኽበር ዝገብሩዎ ቃልሲ ኣብ ሃገራት ወጻእ ብዝቕመጡ ተወለድቲ እቲ ክልል’ውን ዝድገፍ እዩ።
እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዎ ዘለኹም ስእሊ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሚነሶታ ዝተስኣሉ ንባህላዊ ክዳን ኦሮሞ ዘላልዩ ቅዲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Senakebeki Girma
ጓል 27 ዓመት ዲዛይነር ሰናቄቤኪ ግርማ ኣብ ዙርያ ቅዲ ክዳን ኦሮሞ ዝመጽአ ለውጢ ኣረኣእያ “ንምእማኑ ዝኸብድ” እዩ ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ “ብዙሓት ብናይ ኦሮሞ መንነቶም ይኾርዑ ኣለው” ትብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







