ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፋን ኦሮሞ ንከምህሩ ብዙሕ ማሕልኻታት ዝገጠሞም መምህር

ተፈራ ተኤራ ይበሃል። ሓደ ሓደ ሰባት "ኣምባሳደር" እናበሉ እዮም ዝፅውዑኒ፥ እዚ ስም ዝሃቡኒ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ብምምሃረይ ዝተሓጎሱ ሰባት እዮም።
ብ1971 ዓ.ም ካብዚ ናይ ሎሚ ስራሕቲ ንግዲ ንግዲ ኮሌጅ፥ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሒሳብ አተሓሕዛ ዲፕሎማ ተመሪቐ። ንሒደት ዓመታት ድማ በዚ ሞያ ሰሪሐ።
ካብ ብቑልዕነተይ ጀሚረ ንቋንቋን ባህልን ኦሮሞ ዓᎁቕ ፍቕሪ ነይሩኒ።
ስራሕቲ ሒሳብ ሞያ ጠንጢነ ንብዙሕ ዓመመታት ክሰርሖ ዝምነዮ ዝነበርኩ ስራሕ ጀሚረ።

ብ1985 ዓ.ም ኣፋን ኦሮሞ ናይ ክልል ኦሮምያ ዕላዊ ቋንቋ ክኸውን ምስ ተወሰነ፥ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዘምህር መፅሓፍ ኣብ ኢደይ ኣትዩ።
ካብኡ ምስ ካልኦት 7 ሰባት ኮይነ ካብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮምያ ፍቓድ ኣውፂና ኣብ ባልቻ ኣባት ነፍሶ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ጀሚርና።
ምሳየይ ዘምህሩ ዝነበሩ መሓዙተይ ንዝተወሰነ ጊዜ ምስ ኣምሃሩ፥ ብፖሊቲካን ካልእን ምኽንያት ከቋርፁ ተገዲዶም።
ኣነ ውን ተኾነ ዝበፅሐኒ ዝነበረ፥ ብዙሕ ግፍዒ ተፃዊረ እየ ኣብዚ በፂሐ።
እዚ ዝረእዩ ብዙሓት፡ ፍቕሪ እቲ ቋንቋ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ስማት እዮም ዘውፅኡለይ፡ ቁቤ፣ላቲን፣ ኦሮምያ፣ ወሬ፣ ዝኣመሰሉ።
ሓደ ቋንቋ ክዓቢ ዝኽእል፡ ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ ስለ ዝተዛረብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት እውን እቲ ቋንቋ ምዝራብ እንትኽእሉ ከምዝኾነ እምነት ኣለኒ።
ነዚ ድማ እዩ ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባት ኩሎም እናምሃርኩ ዝመፃእኹ።
ሰባት ኣፋን ኦሮሞ ምንባብን ምፅሓፍን ንክኽእሉ ይምህር።
እስካብ ሕዚ ብወርሒ 15 ብር ጥራሕ ብምኽፋል እናምሃርኩ እርከብ። ፈለማ ምምሃር ክጅምር ከለኹ ዝነበረ ዋጋ እስካብ ሕዚ ኣይተቐየረን።
ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት፣ መማህራን፣ ሓኻይም፣ መሃንዲሳትን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ናባይ መፂኦም ተማሂሮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እዚ ቋንቋ ብምምሃረይ፡ ብዙሓት ፀገማት ኣሕሊፈ እየ።
ምምሃረይ ንከቋርፅ፡ ዝተፈላለዩ መፈራርሕታት ይበፅሑኒ ነይሮም።
ብካራ ተወጊአ እየ፣ "ናይ ተፈራ ቁቤ ክዓኒ'ዩ'' ዝብል ፅሑፍ ኣብ በሪ ገዛይ ተለጢፉ ይፈልጥ።
ኣብዚ መፀገሚ ግዜ ተምሃሮይ ነይሮም ክሳብ ገዛይ ዘፋንዉኒ።
ተደላይነት ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ፡
" ናይ ተፈራ ቁቤ ክወድም'ዩ'' ዝብሉ ዝነበሩ፣ ፈኸራን መፈራርሕታትን ዝልእኹ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕዚ ግና ኣፋን ኦሮሞ ኣምህረና እናበሉ እዮም።

እዚ ድማ ቋንቋና ክንደየናይ ተደላይ እናኾነ ከምዝመፀ የርእየኒ።
ሕዚ ግዚኡ ተቐይሩ እዩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ተምሃሮ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣምሂረ እየ።
ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዘምህሩ ኣብያተ ትምህርቲ ብምኽፋቶም ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ድኻመይ ከንቱ ኣይተረፈን።
ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ስረሐይ ፅቡቕ ግዜ ዋላ እኳ እንተዘይሕለፍኩ፡ ኣብ ህይወተይ ዘኹርዐኒ ተግባራት ዝፈፀምኩሉም ዓመታት እዮም።
ሕዚ ዕድመይ ናብ 63 እናተፀግዐ እዩ። እርጋን እውን እናመፀ እዩ። ሕዚ ስረሐይ ተረኪቦም ዝቐፅሉ መናእሰይ የናዲ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







