ጽባቐ፡ "ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ነገር ድልየትካ ዘይምፍላጥ'ዩ"

ገነት ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, Genet Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኣርክቴክት ገነት ጸጋይ፡ ተመሃሪት ዪኒቨርሲቲ እንከላ እያ ንውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም በጺሓቶ

ናይዚ ዓመት ውድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም [ሚስ ዎርልድ]፡ ንመበል 69 ግዜ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ሎንደን ክካየድ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ መድረኽ፡ ንዝሓለፈ ዓመት ዘውዲ ደፊኣ ዝጸንሐት ወይዘሪት ቨነሳ ፖንስ፡ ንናይዚ ዓመት ተዓዋቲት ክትመልስ እያ።

ፒተር ኣንድሬ ዝተብሃለ መራሒ መድረኽ ድማ፡ ነዚ ውድድር ከሳስዮ ተመዚዙ ኣሎ።

ጽምብል 70 ዓመት ውድድር ወይዘሪት ዓለም [ሚስ ዎርልድ] ድማ ኣብ ሃገረ ታይላንድ እያ ከተአንግዶ።

ኣብ 2013 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ኢንዶኖዢያ ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ መላእ ዓለም 127 ወይዘራዝር ኣብ ታሪክ መድረኽ ውድድር ወይዘሪት ዓለም ተረኺበን፡ ነቲ መድረኽ እቲ ዝዓበየ ክኸውን ገይረንኦ ነይረን።

ንግስቲ ዘውዲ እዚ ውድድር ዝነበረት ቻይናዊት ዩ ዌንዢያ ድማ ብፊሊፒናዊት ሜጋን ዮንግ ተተኪኣ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ እዋን ወይዘሪት ኢትዮጵያ ብዝነበረት ኣርክቴክት ገነት ጸጋይ ተወኪላ ቐሪባ።

ገነት፡ ካብ ወይዘሪት መቐለ፣ ወይዘሪት ሃይስኩል፣ ወይዘሪት ትግራይ ጀሚሩ፡ ክሳብ ወይዘሪት ኢትዮጵያ ብምብጻሕ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ጽባቐ 'ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል' [2016] ከምኡ'ውን 'ሚስ ዎርልድ' [2013] ተኻፊላ እያ።

ንምዃኑ ጽባቐ እንታይ'ዩ? እዞም ውድድራት ንጓል ኣንስተይቲ ዝህቡዎ ትርጉም እንታይ'ዩ? ናይ ዝብሉን ካልኦት ናይ ህይወታ ተሞኩሮን ኣውጊዓትና ኣላ።

line

ቤተሰብ ሞዴልን ኣርክቴክትን ገነት ጸጋይ ብዙሓት እዮም፤ ንሳ ካብ 12 ቆልዑ መበል 11 ውላድ እያ።

በዚ ምኽንያት፡ ቅድሚኣ ካብ ዘለው ኣሕዋታን ኣሓታን ብዙሓት ነገራት እናተምሃረት ከም ዝዓበየት እትዛረብ ገነት "ኩሉ ድማ ኣነ ጽብቕቲ ክኸውን ይደሊ ነይሩ" ትብል።

ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ መቐለ እናሃለወት፡ ናብ ውድድር ጽባቐ ዝተጸምበረት ገነት፡ ኣብቲ ዓመት 'ወይዘሪት ትግራይ' ኮይና ተዓዊታ።

ወይዘሪት ትግራይ ዝብል መዓርግ ጽባቐ ዝረኸበትሉ እዋን [2003 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ "ገና ካብ ገዛ ናብ ደገ ዝወጻእኹሉ፣ ኣብ ደገ ብዛዕባ ዘለው ነገራት ዘይፈለጥኩሉ እዋን ነይሩ" ብምባል እትዝክሮ ናይ ህይወታ ክፍሊ'ዩ።

ኣብ 2004 ድማ ዘውዲ ወይዘሪት ኢትዮጵያ ዝደፍአት ገነት፡ ከምዚ እናበለት ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ጽባቐ ክትጽምበር ክኢላ።

"ንዓይ እዞም መድረኻት ብጣዕሚ ጽቡቓት ግን ከበድቲ ነይሮም፤ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሞንጎ ካብን ናብን እናተንቀሻቐስካ ምስራሕ ቀሊል ኣይኮነን" ትብል።

ገነት ጸጋይ፡ እቲ ዝዓበየ ውድድር ጽባቐ ዝኾነ መድረኽ 'ወይዘሪት ዓለም' ተምሃሪት ኮይና በጺሓቶ። በዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዓለማዊ ናይ ፋሽን ምርኢታት ዘስርሓ ዕድል ረኺባ።

"ውድድር ጽባቐን ስራሕቲ ፋሽንን ቀሊል ነገር'ዩ ኢለ ክጽውዖ ዝኽእል'ኳ እንተዘይኮነ ውሽጥኻ ዝደልዮ ነገር ንከተዐውት ክትጽዕር ከም ዘለካ ግን ተማሂረሉ'ዩ" ብምባል ጸጋ እቲ መድረኽ ዝበለቶ ትገልጽ።

ገነት ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, Focus Studio/Genet Tsegay

እዞም ቀሊል ዘይብሃል ዝተፈላለየ ክእለት፣ ዓቕምን ድሕረ ባይታን ንዘለወን ተወዳደርትን ሰብ ሞያን ዘሳትፉ ዓበይቲ መድረኻት ጽባቐ፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝፈጥሩዎ ዕድላት፡ ፈተናታቱ'ውን ብኡ ልክዕ ምዃኖም ትጠቅስ።

"ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝለዓለ ነጥቢ እንክምረቕ ኩሉ ሰብ ውጽኢተይ ንክኣምን ይጽገም ነይሩ፤ ብዙሕ ግዘ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ የለኽን፤ ከመይ ኢሉ ድኣ ውጽኢትኺ ልዑል ኮይኑ? ይብሃል ነይረ" ዝበለት ገነት፡ ዝደልዮ ንክኸውን ቀትሪ ምስ ለይቲ ይጽዕር ብምንባረይ ግን ክዕወት ክኢለ'የ ትብል።

ሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሓት ንህይወታን ዕውትነታን ዝፍትኑ ተጓንፎታት ክገጥሙዋ ዝኽእሉ እንተኾኑ'ውን፡ ፈናታት ናብ ረብሓኻ ቀይርካ ክትሰግሮም ምክኣል ግን፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ምዃኑ ትገልጽ።

"እቲ ዘሎ ባይታ ንጓል ኣንስተይቲ ቀሊል'ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝኾነ ስራሕ ክሰርሕ ክውስን ከለኹ ግን ከም ጸገም ኢለ ዝሕዞ ነገር የለን" እያ ትብል።

ንምኑ ጽባቐ እንታይ'ዩ?

ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ጽባቐ ተሳቲፋ ዘውዲ ወይዘሪት ዩክሬን ምስ ደፍአት ኣደ ቖልዓ ምዃና ምስ ተፈለጠ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝተውሃባ ዘውዲ ጽባቐ ዝተነፍገት ቬሮኒካ ዲዱሴንዶ፡ ኣብ ሕግታት እቶም ውድድራት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጻ ነይራ።

ኣደ ቖልዓ ወይ'ውን በዓልቲ ሓዳር ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ናይ ጽባቐ ውድድራት ክትሳተፍ ኣይትኽእልን፡ ሓደ ካብ ሕግታት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም'ዩ።

ሓዳር ወይ ወሊድ፡ ንቅርጽን ጽባቐን ሰብነት ደቂ ኣንሰትዮ ስለ ዝቕይሮ፣ ሓላፍነት ስድራ ስለ ዝውስኻ፡ እዚ መድረኽ ዝፈጥሮም ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ፣ ፋሽንን ካልኦትን እኹል ትኹረትን ግዘን ሂበን ክሰርሓ ይድርተን'ዩ ተባሂሉ ከም ዝእመን፡ ኣብዚ ኢንዳስትሪ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ይጠቕሳ።

ከምዚኦም ዓይነት ርኢይቶታት ንጥንካረ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕቶ ካብ ዘእትው ሰባት ዝምንጪ'ዩ እትብል ሞዴል ገነት "ንሕና ግን ሓላፍነትን ሓዳርን ዘይኮነ፡ ዝኾነ ነገር ክንጅምር ከለና ደሊናዮን ልብና ፈቒዱን ድዩ ንኣትዎ ዘለና? ዝብል እዩ" ትብል።

"ልዕሊ ኹሉ ንዓና ዝሃንጸና ግን ትምህርቲ'ዩ" ዝበለት ገነት፡ "ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ዝብድሃ ነገር ሰይራ ንምውጻእ ክትመሃር ኣለዋ፤ በዚ ኣቢሉ ኣተሓሳስባና እናዓበየ ስለ ዝኸይድ እንዓልበሉ ዕላማ ንምንጻር ዓቕሚ ንረክብ" ኢላ።

ገነት ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, Genet Facebook

ሞዴልን ኣርክቴክትን ገነት ጸጋይ፡ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ፋሽንን ጽባቐን ንኢትዮጵያ ክውክላ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ እተሰልጥነሉ ዓለምለኻዊ ትካል ኣለዋ።

እዚ "ኢትዮጵያን ቢዩቲ ክሪምስ" ዝተብሃለ ትካል፡ ዓመታዊ ውድድር ወይዘሪት ኢትዮጵያ ብምድላው፡ ኣብ ወይዘሪት ዓለም፣ ወይዘሪት ኢንተርኮንቲነንታል፣ ወይዘሪት ግራንድ ኢንተርናሽናል፣ ወይዘሪት ኢንተርናሽናል ወኪለን ዝወዳደራ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ይልእኽ።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ናብ ፍሊፕንስ፣ ጃፓን፣ ኢንዶኒዢያን ኣሜሪካን ተወዳደርቲ ጽባቐ ልኢኹ ኣሎ።

"ከም ኢንዳስትሪ ነዚ ፈጢረ ኣለኹ። ግን ደጋዊ መልክዕ ጥራሕ ዘይኮነ ጽባቐ፡ ዓርሰ እምነት'ዩ፤ ንዓይ፡ ዓርሰ እምነት ዘለዋን ዓርሳ ዝኸኣለትን ጓል ኣንስተይቲ'ያ ጽብቕቲ። ኣብ ዝኣመንካሉ ኣብዚሕካ ምስራሕ'ዩ እቲ ዝጎልሐ ጽባቐ። ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ነገር ድማ ድልየትኻ ዘይምፍላጥ'ዩ" ትብል።

ገነት ጸጋይ መን'ያ?

ገነት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቖልዑትን እያ።

ኣብዚ ዓመት [2019] ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብ 'ላንድስኬፕ ኣርክቴክቸር' ካልኣይ ዲግሪ ተመሪቓ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኣርክቴክቸር'ውን እያ።

ቅዲ ዝበዝሕ ግዘ እትኽደኖም ክዳውንቲ ዓርሳ ዝሰርሓቶም ኮይኖም፡ ብሞያ ድማ ናይ ገዛ ዲዛይን ትሰርሕ።

"ብተፈጥሮይ ዝተረጋግአ ቦታ እየ ዝፈቱ፡ ስራሕ ንምስራሕ ግን ውሽጠይ ክሳብ ዝኣመነ፡ ቦታ ኣይመርጽን። . . .

ኣብ ማሕበራዊ ናብራይን ክምህር ክኸይድ ከለኹን ዝተፈላለኹ ሰብ እየ። ኣብ ደገ ኣከዳድናይ ባዕሉ ፋሽን'ዩ፤ ክምህር ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ከለኹ ግን ተምሃሮ'ውን ኣይፈልጡንን። 'ኣብ ፋሽን ዘሎ ሰብ ክንዲዚ ብትምህርቲ ይነፍዕ ድዩ?' ዝብሉ ኣለው'ዮም" ትብል።

ኣብ ህይወትኻ ክትረኽቦ እትደሊ ለውጢ ብቐሊሉ ኣይርከብን ኢላ እትኣምን ገነት፡ "ዕላማይ ዘስሕተኒ ነገር እንተኾይኑ ፈጺሙ ናብ ህይወተይ ክኣቱ ኣይፈቕደሉን" ትብል።

"ኣብ ዕላማኻ ምስእንትጸንዕ ትዕወት፤ ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ሰብ ግን፡ ኣይኮነን ናብ ፋሽን ናብ ቢዝነስ'ውን ዝኸደሉ ዕድል ጸቢብ'ዩ። ኣነ ግን፡ እናተምሃርኩ ዘይኸበደኒ፡ ስራሕ እናሰራሕኹ ክኸብደኒ'ዩ ኣይብልን፤ ኩሉ ድማ ብሓባር የኺዶ ኣለኹ"።

ገነት ጸጋይ ኣብዚ ኣመት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብ'ላንድስኬፕ ኣርክቴክቸር' ብካልኣይ ዲግሪ ተመሪቓ

ምንጪ ስእሊ, Focus studio/Genet Tsegay

መግለጺ ስእሊ, ሞዴልን ኣርክቴክትን ገነት ጸጋይ ኣደ ቖልዑትን በዓልቲ ሓዳርን ከምኡ'ውን መምህር ዩኒቨርሲቲ'ያ

ኣብ ህይወት ልዕሊ ኹሉ እትሕበነሉን እትሕጎሰሉን ሓደ ነገር ግን ኣሎ፤ ኣዶነት!

ከምቲ ብዙሕ ሰብ ዝብሎ ድማ፡ ኣደ ምዃን ብቃላት ምግላጽ ከቢድ'ዩ ትብል።

"ኣዶነት፡ ተፈጥሮኣዊ ሚስጢር'ዩ፤ ካብ ባዕልኻ ንላዕሊ እትነብረሉ ምኽንያት ምህላው ማለት'ውን እዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓዳር ክትኣቱ ከለኻ እቲ ጸቕጢ ናብ ጓል እዩ ይብል። ግን ከምኡ ኣይኮነን፤ ምርጫና'ዩ ዝውስኖ። ጓል ኣንስተይቲ ንርእሳ ዝኸኣለት እንተኾይና፡ ዘጸግዓ ኣይትደልን፤ ዝወሰንናዮ ዝመረጽናዮ ኢና ንነብር" ኢላ።