#1፡ ካብ ናብራ ዓዲ ዓረብ ናብ ኢንቨስትመንት ካብ ኣንደበት ፈቲያ

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝበጽሑ ጸቕጢታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ማእለያ ዘይብሎም ማሕለኻታት እንተጓንፍወን፡ ካብቶም ጸገማት ከይተናገፋ ነዊሕ ክጸንሓ ዝግደዳ ኣለዋ።
ተሞኩሮ ፈቲያ መሓመድ ግን ካብዚ ዝተፈለየ'ዩ። ፈቲያ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ባቢሌ ኣብ ዝርከብ ሩባ የረር ዘውፈረቶ ልምዓት ሕርሻ ኣለዋ።
ብዛዕባ ዝሓለፈቶ ህይወትን ሕጂ ዝበጽሐቶ ደረጃን ካብ ኣንደበታ እነሆ።

ፈቲያ መሓመድ እብሃል። ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ተወሊደ። ቆልዓ 12 ዓመት እናሃለኹ ግን ወለደይ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝመጽአ ብዙሕ ገንዘብ ዝነበሮ ዓረብ ኣመርዒዮምኒ። ን28 ዓመታት ምስኡ ብሓባር ነቢረ።
እዚ ኹሉ ዓመት ክቑጸር፡ ክልተ ግዘ ጥራሕ'የ ናብ ኢትዮጵያ መጺአ። ኣብ ዓዲ ዓረብ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሰምዖ ጽቡቕ ነገር ኣይነበረንን።
ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝማዕረገት ምዃና ዝፈልጣ ሃገር ብመከራን ጥምየትን እንትገልጹዋ፡ ንዓይ'ውን ካብ ናይ ጥምየት ሃገር ኢኺ መጺእኺ እንትብሉኒ፡ ይሕመኒ ነይሩ።
ናቶም ሃገር፡ እንትርፎ ሓሸዋ፡ ዘርኢ ከብቁል ዝኽእል መሬት'ኳ የብሉን። ኣብ ውሽጢ ሓሸዋ ዝወዓየ ማይ ኣዝሒሎም፤ ሓመድ ድማ ካብ ካልእ ሃገር ኣምጺኦም'ዮም ዝጥቀሙ።
ናተይ ሃገር ግን፡ ብኹሉ ኣንፈት ዝተውሃቦ ዘፍሪ መሬት ዝተዓደለት ሃገር'ያ ኢለ'የ ዝኣምን። እዚ፡ ንኹሉ ነገር መልዐሊ ኮይኑኒ።

ሕንቁቕ ናብራ ገዲፈ ገንዘብ ክዓቁር ጀሚረ። ናብ ኢደይ ዝመጽእ ገንዘብ ኩሉ ይቕበሎ ነይረ።
በዚ መገዲ ዝኣከብኹዎ ገንዘብ ኣስታት 20 ሚሊዮን ብር እንትኾነለይ፡ ልበይ ናብ ዓድኺ እተዊ ክብለኒ ጀሚሩ።
ገንዘበይ ሒዘ ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ኣብ ዝወሰንኩሉ ሰዓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓድኹም ሰሪሕኹም ተለወጡ ዝብል ጻውዒት ዘቕርበሉ እዋን'ዩ ነይሩ።
ኣነ'ውን ነዚ ዕድል ተጠቒመ፡ ብዛዕባ እቲ ገንዘበይ ከውፍረሉ ዝደሊ ዓይነት ኢንቨስትመንት ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደብዳበ ጽሒፈ።
ንስርሐይ ዝኸውን ዕድላት ተመቻቺኡለይ፤ ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብ1998 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ] ናብ ሃገረይ ተመሊሰ።
ኣብ 1999 መሬት ተዋሂቡኒ።
ኣብቲ ዝተወለድኩሉ ከባቢ፡ ጽጉም ክሕግዝ፣ ዝጠመየን ዝጸምአን ከብልዕን ከስትን ዓብዪ ሕልሚ'ኳ እንተነበረኒ፤ መንግስቲ ግን፡ 'ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ፤ ብዙሕ ገንዘብ'ውን ኣለኪ። መሬት ሂብናኪ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትኾኒ ይምረጽ' ኢሉኒ።
"ወይ ከማይ ክትኾኑ ኢኹም ወይ ከማኹም ክኸውን'የ"
ዝተወለድኹሉ ሕብረተሰብ ማይ ሒዙ ዝጸምኦ፣ ልሙዕ መሬት ሒዙ'ውን ዝጠሚ'ዩ።
እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝነኒ፡ ህዝቢ ባቢሌን ሃረርጌን፡ ብኸባቢኡ ኣቋሪጹዎ ዝሓልፍ ሩባ እናሃለወ፡ ዝጠሚ ማሕበረሰብ ምዃኑ'ዩ።
ካብ በዓል ግብጺ፣ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዝወሰድኹዎ ተሞኩሮ ኣሎ። በቲ ዝረኸብኩዎ ልምዲ፡ መነባብሮ ናተይ ማሕበረሰብ ክልውጥ ከም ዝኽእል ይኣምን ነይረ።
ናብ ባቢሌ እንትመጽእ፡ ዓቐብን ቑልቑለትን ከምኡ'ውን ገደላት ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። ውሑዳት ዕፉን ዘፍርዩ ሰባት ነይሮም። ኣብዚ ግዘ፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው መሪሕነት መንግስቲ ሓጊዞምኒ'ዮም።
ሩባ ኤረር ኣብ ዘለዎ ከባቢ መሬት ምስ ተፈቐደለይ፡ ካብ ደገ ትራክተራትን ናውታት ሕርሻን ከእቱ ጀሚረ።
እቲ ኹሉ ገደልን ዓቐብን ደልዲልካ ተሓራሳይ መሬት ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ዶዘርን ግሬደርን ብ2 ሚሊዮን ብር ተካርየ ግን፡ ሜዳ ገይረዮ።
እቲ መሬት ምስ ደልደልኩ፡ ከመይ ማይ ካብ ከርሰ ምድሪ ከውጽእ ከም ዝኽእል ክሓስብ ጀሚረ።
ማይ ካብ ከርሰ ምድሪ ናይ ምውጻእ ልምዲ ዘለዎም ሰባት ካብ ሱዳን ኣምጺአ ከስርሖም ጀሚረ። ጎና ጎኒ 50 መናእሰይ ከሰልጥኑለይ ድማ ገይረ።
እዞም መናእሰይ፡ ንናይቲ ከባቢ ሕብረሰተብ ብዙሕ ጎዳጉዲ ማይ ፍሒሮም በዚ ኣጋጣሚ፡ ነበርቲ ባቢሌ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገም ማይ ክፍታሕ ክኢሉ ክብል ይኽእል።
ህዝበይ ማይ ክሰቲ ምርኣይ፡ ንዓይ ዓብዪ ሓጎስ'ዩ።
ማይ ስለ ዝረኸብኩ ሰፊሕ መሬት የልምዕ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ፡ 5000 ማንጎ፣ 5000 ኣራንሺ፣ 30000 ፓፓዬ፣ 1000 ዜይቱን፣ 2200 ቡንን 2000 ሽፈራው ዝበሃል ዘርእን ተኺለ'የ።

ኣብቲ መሬተይ፡ ዝተፈላለየ ብሄር ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኣለው። ክሳብ ሕጂ 100 ዝኾኑ ሰባት ሰሪሖም'ዮም። ሰብዓ ዝበጽሑ ድማ ቐወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለውኒ።
ስድራ መስሪቶም ዝነብሩ ብዙሓት'ዮም። ህዝቢ እቲ ኸባቢ፡ እቲ ተሓራሲ መሬት ከም ናይ ባዕሉ ንብረት'ዩ ዝጥቀመሉ ክብል ይኽእል።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክንዲ ዝደለይኦ ኣፍርየን ክጥቀማ ፈቒደለን'የ።
ህዝቢ ዝግልገለሉ ሓደ ናይ ጽዕነት 'ፒክ ኣፕን' ሓደ 'ኣይሱዙን' ኣለኒ። ኣነ ድማ፡ መኪናን ደረጅኡ ዝሓለወ መንበሪ ገዛን ኣለኒ።
ኩሎም ደቀይ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ባዕሎም ናብራ መስሪቶም ይነብሩ ኣለው።
ደቀይን ኣዝማድ በዓል ቤተይን እውን ፡ መጺኦም እዚ መሬት ምስ ርኣዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት መሬት ኣሎ'ዩ ኢሎም ንምእማን ተጸጊሞም ነይሮም።
ክሳብ ሕጂ ብዝሰራሕኹዎም ስራሕቲ፡ ዋንጫን መዳሊያን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ሽልማት ተዋሂቡኒ'ዩ።
ናተይ ዕላማ፡ ሰፊሕ መሬት ስለ ዘለኒ፡ ንዕኡ ብምልማዕ፤ ፍርያተይ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ'ዩ። ድሕሪኡ፡ ፋብሪካ ከፊተ ካብቶም ፍረታት ዝተፈላለየ ፍርያት ከፍሪ ይዕልም።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝኾነ ነገር ክሰርሓ ዓቕሚ ከም ዘለወን ከዘኻኽረን ይፈቱ። መብዛሕትአን ግን፡ 'እንተኸሰርኩኸ?' ኢለን ስለ ዝሰግኣ፡ ክሰርሕኦ ንዝደልያ ነገር ይጠራጠራ።
ሓደ ስራሕ ከይጀመርካዮ፡ ንፍርሒ ኢድካ ምሃብ ግን ዕውት ኣይገብረካን። ስለ ዝኾነ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቖሪጸን፡ ዓርሰ እምነት ሒዘን እንተሰሪሐን ኣብ ዝደለይኦ ቦታ ክበጽሓ ይኽእላ'የን።
ብዛዕባ እንሰርሖ ስራሕን ናብ ዓወት ዘሳግረናን ፈሊና ክንፈልጥ ይግባእ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







