ደቡብ ሱዳናዊት ኣዱት ኣከች ሞዴል ፋሽን 2019 ተባሂላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ሱዳናዊት ሞዴል ኣዱት ኣከች ብልጽቲ ሞዴል ፋሽን 2019 ኮይና ተሸሊማ።
ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ፋሽን ዝተዓወተት ኣዱት፡ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ'ያ።
ኣብዚ ብደረጃ ዓለም ተወዳዲራ ዝተዓወተትሉ ሽልማት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብቲ ናይ ስነስርዓት ብዙሓት ክኢላታት ቅዲን ፍሉጣት ሰባትን ተሳቲፎም።
ኣዱት ኣከች፡ ካብ ብዙሓት ተወዳደርቲ ምስ ዝተመረጻ፡ ሞዴል ኣደስዋ ኣይገዊ፣ ኣድዋ ኣቦች፣ ካያ ገርበር ከምኡ እውን ዊኒ ሃርሎወ ናብ መዛዘሚ ድሕሪ ምብጽሓ እያ ንዐአን በሊጻ ነዚ ዓለማዊ ሽልማት ክተበቕዕ ክኢላ።
እቲ ናይ ምሕራይ ስነ ስርዓት ብ2500 ዝኾኑ ክኢላታት ቅዲ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እዚ ዓመታዊ ሽልማት ንክኢላታት ቅዲ ኣብ ምሕጋዝ ብዝነጥፍ ማሕበር እናተመወለ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር'ዩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







