ኮኾብ ሆሊውድ ዊል ስሚዝ ንተዋሳኣይ ክሪስ ሮክ ኣብ መድረኽ ኦስካር ጸፊዑዎ

ክሪስ ሮክን ዊል ስሚዝን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮኾብ ተዋስኣይ ሆሊውድ ዊል ስሚዝ ነቲ ብስም ሰበይቱ ጃዴ ፒንኬት ዝቐይዐ ተዋስኣይ ክሪስ ሮክ ናብ መድረኽ ብምድያብ ብጽፍዒት ሃሪምዎ።

ምሉእ ብምሉእ ንዝተላፀየ ፀጉሪ ርእሲ ፒንኬት ስሚዝ ኣልዒሉ ክቕይዕ ዝተሰምዐ ክሪስ ሮክ፡ ንስሚዝ ዘሕጎስ ኣይነበረን።

ዊል ስሚዝ ናብቲ መድረኽ ብምድያብ ንክሪስ ሮክ ኣምሪሩ ብፅፍዒት ክሃርሞ እንከሎ፡ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ኰፍ ምስ በለ ድማ ብሕርቃን “ሽም በዓልቲ ገዛይ” ኣይተልዕል ክብል ንክሪስ ሮክስ ገኒሕዎ።

ፀኒሑ ግን ብሉጽ ተዋስኣይ ብዝብል ሽልማቱ ኣብ ዝተቐበለሉን መደረ ኣብ ዘስምዓሉን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ።

“ነዚ ኣካዳሚ [ሽልማት ዘዳለወ ኦስካር ኣካዳሚ] ይቕሬታ ክብል እደሊ። ንኹልኹም ሕጹያት ብጾተይ ይቕሬታ እብል” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ኣቦ ናይተን ኣብ ግጥማት ቴኒስ ስሙያት ዝኾና ቬነስን ሰሪና ዊልያምን ኮይኑ ብዝተዋስአሉ ‘ኪንግ ሪቻርድ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልም ብዘርኣዮ ብሉፅ ብቕዓት’ዩ ነቲ ሽልማት ተዓዊቱ።

ጽፍዒት ኣብ መድረኽ?

በዓልቲ ግዝኡ ንዊል ስሚዝ ጃዴ ፒንኬት ናብቲ መድረኽ ሽልማት ክትመጽእ ከላ ጸጉሪ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ዝተላጽየ ነይሩ።

ፒንኬት፡ ‘ኣለፒሽያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸጉሪ ዘጥፍእ ጸገም ጥዕና ከም ዘለዋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢላ ኣፍሊጣ ነይራ።

ናብ መድረኽ ዝደየበ ፍሉጥ ተዋዛዪን ተዋሳኣይን ክሪስ ሮክ ግን ንስም በዓልቲ ቤት ዊል ስሚዝ ኣልዒሉ ምስቲ ጸጉሪ ዘይብሉ ርእሳ ብዝተሓሓዝ ክዋዘ ተሰሚዑ።

ክሪስ ንጃዴ ስሚዝ ምስታ ኣብ 1997 ኣብ ዝተሰርሐት “ጂ ኣይ ጄን” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘለዋ ፊልም ምስ እትዋሳእ ገጸ-ባህሪ ከነጻጽራ’ዩ ፈቲኑ።

ኣብታ ናይ ሽዑ ፊልም ዝሰርሐት ፍልጥቲ ተዋሳኢት ደሚ ሙር ምሉእ ብምሉእ ጸጉሪ ርእሳ ዝተላጸየት ገጸ-ባህሪያት ተጠቂማ ነይራ።

ንጄ ኣይ ጂን ንጃዴ ፒንኬትን ብምምስሳል ክዋዘ ዝፈተነ ክሪስ ሮክ ንተዓደምቲ እቲ መድረኽ ከስሕቖም’ኳ እንተኽኣለ ንዊልስሚዝን በዓልቲ ቤቱን ግን ኣየሐጎሶምን።

ጃዴ ኣብ ገፃ ሕርቃን ክረኣይ ከሎ ዊል ስሚዝ ካብ መንበሩ ተሲኡ ናብቲ መድረኽ ብምኻድ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ኣትሪሩ ወቕዖ።

ብተግባር ዊል ስሚዝ ዝተሰናበደ ክሪስ ንዕዱማት እቲ መድረኽ “እዚ ምሸት ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዝዓበየ ምሸት’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ናብቲ መድረኽ ዝደየበሉ ምኽንያት ብሉጽ ሰነዳዊ ፊልም (ቤስት ዶክመንታሪ) ብዝብል ዓውዲ ንዝተዓወተ ከፋልጥን ሽልማቱ ክህብን’ዩ ነይሩ።

ንተዓዋቲ ሽልማት ሂቡ ድማ ካብቲ መድረኽ ወሪዱ።