ሱዳን: ንገበናት ኲናት ዳርፉር ዝርእይ መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክጅምር እዩ

ዓሊ ሙሓማድ ዓሊ ዓብዳል-ራሕማን: ዘ ሄግ 24 ግንቦት 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግጭት ዳርፉር ብዝምልከት ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ዝቐረበ እንኮ ተጠርጣሪ ዓሊ ሙሓማድ ዓሊ ዓብዳል-ራሕማን

ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዳርፉር ሱዳን ንዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዝምርምር መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ስርሑ ክጅምር እዩ።

መራሒ ናይ'ቶም ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚሊሻታት ጃንጃዊድ ዝነበረ ጥርጡር: 31 ክስታት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ቀሪቡሉ ኣሎ።

ዓሊ ሙሓማድ ዓሊ ዓብዳል-ራሕማን ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሱዳን ነቲ ሓድሽ ምዕባለ ታሪኻዊ ክብሉ ገሊጾምዎ።

ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሞሳድ ኣሕመድ ዓሊ "እቲ ናይ ዘይተሓታትነት ዓንኬል ክሳዕ ዝስበር ቃልሶም ንዘየቋረጹ ንግዳያትን ኣብ ዳርፉር ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝደሓኑን [ሰሉስ] ዓቢይ መዓልቲ እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "እቲ ኣብ ልዕሊ ዓብዳል-ራሕማን ተኸፊቱ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ነቲ ብእኡን ንሱ ዝመርሖም፡ ብመንግስቲ ዝድገፉ ሚሊሻታት ጃነጃዊድን ዝተፈጸመ ከቢድ ጾታውን ካልእን ገበናት ዘቃልዕ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

እቲ ብዓሊ ኩሻይብ ዝፍለጥ ዓብደል-ራሕማን፡ ነቲ ልዕሊ 300,000 ሰባት ዘህለቐን ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ዘመዛበለን ግጭት ብዝምልከት ኣብ መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዝቐርብ ናይ ፈለማ ሰብ እዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ምስቲ ገበናት ብዝተኣሳሰር ዛጊት ኣብ ቀይዲ ኣይኣተወን።

ኣብ 2019 ብዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣልበሽር ብገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እኳ እንተኾነ ነቲ ክስታት ኣይቕበሎን።

ዓብደል-ራሕማን ን13 ዓመታት ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 2020 እዩ ኢዱ ሂቡ።

ንሱ ካብ ነሓሰ 2003 ክሳዕ መጋቢት 2004 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ክልተ ከተማታት ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ኢድ ከም ዘለዎ ይኽሰስ።

ንሱን እቶም ዝእዝዞም ሚሊሻን ጾታዊ ዓመጽ፣ ምስቓይ፣ ቅትለትን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ይኸስስ።

ዓብደል-ራሕማን ቅድሚ ሕጂ ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረበሎም ኣጋጣሚታት ስሙ ምስ ናይ ካልእ ሰብ ተደናጊሩ ምህላው ምግላጹ ጸብጻባት ሮይተርስ ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብ ዳርፉር ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ድሕሪ ምስሓቡ ኣብቲ ከባቢ ግጭትታት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላው ይግለጽ።

ኣብቲ ዞባ ግጭት ፈለማ ዝተወልዐ ኣብ 2003 ኮይኑ፤ ከምዝተገለሉን ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ከምዘይተገበረሎምን ዝገልጹ ኣዕራብ ዘይኮኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣንጻር መንግስቲ ብረት ድሕሪ ምልዓሎም ዝሰዓበ እዩ።

መንግስቲ ነቶም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ብቐንዱ ኣዕራብ ዝኾኑ ሚሊሻታት ብምልዕዓል ነቶም ዕጡቓት ክዋግኡ ብምብጋስ እዩ ግብረመልሲ ሂቡ። እቲ ዝሰዓበ ጎንጺ ከኣ ዓለምለኻዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ።

ብኣማኢት ዝቑጸር ቁሸታት ክቃጸልን ክዝመትን እንከሎ፡ ኣብ ለዕሊ ሲቪላውያን ምጽናት ዓሌት ከምዝተፈጸመ ይግለጽ።