ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ንወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣጠንቂቐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኖርወይ፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ካብ ውሽጦም ቀዳማይ ሚኒስተር ከይሮቍሑ ኣጠንቂቐን።
እተን ሃገራት፡ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተመዚዙ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ግጭት ከተምርሕ ከምእትኽል እየን ዘጠንቅቓ ዘለዋ።
እተን ሃገራት ብዘይ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ዝምረጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮነ ዝትከል መንግስቲ ከምዘይድግፋ'ውን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንበት ብገዛእ ፍቃዱ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ተኣልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስቲ ነቲ ዕልዋ ዝመረሐ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ ዝተገበረ ዘተ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ነይሩ እዩ።
እንተኾነ እቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ስለዝቐጸለን፡ ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝጀመርዎ ክርክር ናብ ሓደ መዕለቢ ስለዘይበጽሐን ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ'ዩ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ጥራይ ልዕሊ 50 ካብ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ብሰንኪ እዚ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ብወተሃደራዊ ምሕደራ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ጎነጻዊ ስጉምቲ ብዓውታ ይቋወመኦ ኣለዋ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሓያለ ከተማታት ሱዳን፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ንዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ ንምብትታን ኣካላት ጸጥታ ናይቲ ወተሃደረዊ ምምሕዳር ዘንብዕ ጋዝ ናብ ሰልፈኛታት ከምዝቶኮሱ ተገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







