ቅልውላው ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ዶባትን ዝፈጥሮ ጸቕጥን

ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ንሱዳን ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪ ዝገዝኣ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ንዝተመስረተ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽመርሕ ስልጣን ዝተረከበ ጄነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ዝቐጸለ ተቓውሞ ንምህዳእ ሓዲሽ መንግስታዊ መዋቕር ኣቕሪቡ።

በዚ ከኣ ነታ ሃገር ንሰለስተ ዓመታት ብምምራሕ ናብ ደሞክራሲያ መንግስቲ ዘሰጋግር ልኡላዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ኣቚሙ ኣልቡርሃን መራሒ ኮይኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ን39 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ስልጣን ዘለዎ ሽዱሽተ ሲቪልን ኣርባዕተ ወተሃደራዊ መኮንናትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢነ ሚኒስተራትን ዝሓቖፈ ናይ መንግስቲ ኣካል ንክህልዎ እውን ተወሲኑ።

መሪሕነት እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ሰራዊት ዝመጽአ ጀነራል ቡርሃን ክሕዞ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ከኣ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዝተቓለሱ ሲቪል ፖለቲከኛታት ዝተኸብረ ስም ዘለዎ ናይ ቁጠባ ምሁር ዓብደላ ሓምዶክ ሒዙዎ።

እቲ ናይ መሪሕነት ቦታ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኮይኑ ክሳብ ዝሓለፈ ሕዳር 21 ኣዋርሕ ጀነራል ቡርሃን ንልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሖ ክሳብ ኣብዚ ዓመት እዚ ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ከኣ እቶም ሲቪል ነቲ ቦታ ሒዘምዎ ክጸንሑ እዩ ነይሩ እቲ ስምምዕ።

ምጅማር ቅልውላው ሱዳን

ንሰላሳ ዓመታት መመላእታ ንሱዳን ብዓብላልነት ዝመርሕ ዝነበረ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ለውጢ ክገብር ምስ ፈተነ ብዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

መንግስቲ ኣብ ነዳድን ባንን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ምሰልዓሎ ብዝተፈጥረ ናይ ናብራ ምኽባር ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ልሒሙ።

እቲ ተቓውሞ ኣብ ክብሪ ዋጋን ሕሰም ናብራን ጥራሕ ከይተሓጽረ ነቲ ዝኣረገ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ዝጠልቡ ሓይልታት እቲ መንግስቲ ክእለ ሕቶ ምስ ኣቕረቡ ሓይልታት ጸጥታ ኣልበሽር ተሪር ስጉምቲ ምስ ወሰዱ እቲ ማዕበል ተቓውሞ መሊሱ ጉሂሩ ንኣልበሽር ካብ ስልጣን ዓልዩዎ።

ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ምስዝሓዘ እቶም ንለውጢ ዝተቓለሱ ሓይልታት እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ጠሊቦም።

ዋላ'ኳ እቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ስልጣን እንተተቖጻጸረ ነቲ ህዝባዊ ሕቶ ክምልስን ነታ ሃገር ከረጋግኣን ኣይከኣለን። ኣብታ ሃገር ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ሓይሊ ብዘይምዃኑ ነታ ሃገር ንምርግጋእ ፈተና ኮይኑዎ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ናይ ምሊሻ ጉጅለታትን እስላማዊ ዕጡቓትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ተራ ኣለዎም።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓብደላ ሓምዶክ

ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም እንከሎ እቲ ቀንዲ ተልእኾኡ ነታ ሃገር ምርግጋእ፡ ዘጋጠማ ቁጠባዊ ጸገማት ብምፍታሕ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ ነይሩ።

ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስተመርጸ ኣብ ህዝቢ ነታ ንነዉሕ ዘበናት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክመልሳ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ።

ብዓውደ ቁጠባ ናይ ዶክትሬይት ዲግሪ ዘለዎ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ስራሕ ልምዲ ኣለዎ።

ነታ ኣብ ቅልውላው ምስግጋር ዝነበረት ሃገሩ ከገልግል ክሕተት እንከሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ብዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት የገልግል ነይሩ።

ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ኣልበሽር ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ኮይኑ ከገልግል ተሓጽዩ እኳ እንተነበረ ሓምዶክ ግን ነቲ ሽመት ከምዘይተቐበሎ ይዝረብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ዋላ'ኳ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ሃዲኡ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ መኮንናት ሰራዊትን ሲቪልን ስጡም ርክብ ኣይጸንሐን። እዚ ከኣ ኣብቶም ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም ዝደልዩ ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥርጣረ ኣሕዲሩ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ እቶም ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ጎሊሖም ምስተራእዩ እታ ሃገር ተመሊሳ ኣብ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክትኣቱ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ።

ተራ ኢትዮጵያ

ፕሬዝዳንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ዘይምርድዳእ ምስተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብሽምግልና፡ ወተሃደራዊ ሓይልን ደለይቲ ለውጢ ሲቪል ሓይልታትን ተሰማሚዖም ናይ መሰጋገሪ ሰሌዳ ንክስእሉ ጉሉሕ ተራ ምጽዋታ ዝዝከር እዩ።

ተቓወምቲ ሓይልታት፡ እቶም ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ተቓውሞ ሰቪል ስለዝቐተሉ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክኣትዉ የብሎምን ኢሎም ክከራኸሩ እንከለው እቶም ጀነራላት ከኣ ሃገራዊ ድሕነት ንምርግጋጽ ኣድላይ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ይዛረቡ ስለዝነበሩ ካልእ ዙር ደም ምፍሳስ ከይስዕብ ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንካርቱም ብምብራር ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ብምግባር ዋላ እውን ንግዚኡ እንተኾነ ነቲ ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ እጃሙ ተጻዊቱ እዩ።

እዛ ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዶባት ዘለዋ ሱዳን ኣብቲ ብኣልበሽር እትምራሓሉ ዝነበረት እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልዱል ርክብን ምሕዝነትን እዩ ነይሩዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እውን እቲ ዝምድና ክቕጽል ትደሊ ነይራ።

ብፍላይ ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ክፍተን እንከሎ ኢትዮጵያ ርግእቲ ሱዳን ንክትሕሉ ደገፋ ከተርኢ ፈቲና እያ።

ግብጺ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንሱዳን ኣብ ዛዕባ ህዳሰ ግድብ ኣብ ጎድና ከተሰልፋ ምኽኣላ ይዝከር።

ወጥሪ ዝሰፈኖ ጉዳይ ዶብ

ኢትዮጵያን ሱዳንን ንነዊሕ ግዜ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ ዶብ ክፈትሓ ኮሚሽን ዶባት ኣቚመን ሓደ ሓደ ፈተነታት እኳ እንተገበራ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።

ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ዝርከቡዎ ሱዳን መሬተይ እትብሎ ኣል ፋሺጋ እተባህለ ሰፊሕ ፍርያም መሬት ንሓንሳብ ክለዓል ካልእ ሳዕ ከኣ ክሃድእ ጸኒሑ። ክልቲአን ሃገራት መሬተን ምዃኑ ክዛረባ እኳ እንተጸንሓ ዝምድነአን ከይተበላሸወ ንነዊሕ ዓመታት ጸኒሐን ኣለዋ።

እንተኾነ ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ተኸፍተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ ዶባት ሓዲጎምዎ ምስ ወጽኡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ቦታ ብሓይሊ ተቖጻጺሩዎ። ኢትዮጵያ ነቲ ተግባር ቅሉዕ ወራር እዩ እኳ እንተበለት ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋኣ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ኣይወሰደትን።

ሰበስልጣናት ሱዳን ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝነበረ መሬቶም ከምዘምለሱ ብወግዒ ክዛረቡ እንከለው ኢትዮጵያ ግን እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ክትዛረብ ጸኒሓ ኣላ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምትእምማን ኣማህሚህዎ ኣሎ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበራ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ለውጢ ኣርእያ ኣላ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ካብ ፈለማ ኣትሒዛ ተቓውሞ ዝነበራ ግብጺ ንእተልዕሎ ሓሳባት ብምድጋፍ ወይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ኣብ ዝተገብረሉ ጉዳያት ሕቶታት ብምልዓል ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸቕጢ ንምፍጣር ፈተነ ክትገብር ትረአ ኣላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ ኣብ ጉዳይ ሕዳሰ ግድብ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ግብጺ ወይ ሱዳን ብዘልዕለኦ ሕቶታት ምኽንያት ዛጊድ ፍረ ዘይተረኽቦ እንትኸውን፡ ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ በጺሑ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘለወን ዝነውሐ ሓባራዊ ዶባት ብተወሳኺ ህንጸት ሕዳሰ ግድብ ክዛዘም ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን መፍትሒ ዝደልያሉ ጉዳይ እዩ።

ናይ ሱዳንን ግብጽን ሰራዊት

ኣብዚ እዋናዊ ምስግጋር ዝለዓለ ተራ ዘለዎ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ልዑል ተጽዕኖ ነይሩዎ።

እዚ ኣካል ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዶባት ኣብ ርእሲ ምቁጽጻሩ ምስ ሰራዊት ግብጺ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝምድና ክምስረት ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብሩ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጥር ብምግባር ኣብቲ ኣከባቢ ንዘሎ ወጥሪ ኣብኢሱዎ ኣሎ።

ናይ ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘሎ ውግእን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብዝህነጽ ዘሎ ህዳሰ ግድብን ብዝተሓሓዘ ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘሎ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣን ዋላ'ኳ ብወግዒ ብሱዳን ከምዝድገፉ እንተዘይተዛረቡ ብወገን ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ክኣትው ኣብ ዝፈተኑ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብምዕራባዊ ዶባታ ንዝፍተኑ መጥቃዕቲ መተሓላለፊ መስመር ይረኽቡ ከምዘለው ዘመላኽት እዩ። ስለዝኾነ እተን ሃገራት ተረዳዲአን እንተዘይፈቲሐንኦ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምፍጣሩ ኣይተርፍን እዩ።

ንጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ዝነበሮ ክምለስን እቲ ጉዳይ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎ እኳ ክትሓትት እንተጸንሐት ሱዳን ግን ኣብ መርገጺኣ ጸኒዓ ወተሃደራዊ ትሕዞኣ ተደልድል ምህላዋ እዩ ዝንገር።

ሰራዊት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምእተጠቕዐን ኢትየጵያ ኣብ ከባቢ ዶባት ሰራዊታ ትኣኻኽብ ከምዘላ ክኸስስ ይስማዕ። እዚ ከኣ ንጸጥታዊ ውጥረት ክልቲአን ሃገራት ከጋድዶ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ድሕሪ ሓምዶክ'ከ

ሕጂ ዓብደላ ሓምዶክ ንዝገደፎ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት መን ከምዝትክኦ ዝተፈልጠ እኳ እንተዘየሎ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ስልጣን ጠቕሊሉ እንተሒዙዎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት መሊሱ ክጋደድ እዩ።

ከምኡ እውን ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዝምድና እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እንታይ ዓይነት መገዲ ክኽተል ከምዝኽእል እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብን፡ጉዳይ ሕዳሰ ግድብን ምስ ግብጺ ብዘለዎ ጽኑዕ ዝምድናን እቲ ኩነታት ክጋደድ ከምዝኽእል ሻቕሎት ኣሎ።