ግብጺ፡ ካብ ስሉሳዊ ዝርርብ ህዳሰ ግድብ ኣንሳሒባ

ህንጸት ግድባ ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ግብጺ፡ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ንግዚኡ ከም ዘንሸሓበት ኣፍሊጣ።

እቲ ክውዳእ ዝቃረብ ዘሎ ግድብ ብኸመይ ማይ ይመላእ ኣብ ዝብል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዓቢ ምስሕሓብ ፈጢሩ ይርከብ።

ሱዳን ብወገና፡ ኢትዮጵያ መርገጺኣ እንተ ዘይቀዪራ ካብቲ ዘተ ክትወጽእ ከም እትኽል ኣጠንቂቓ’ላ።

ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልእ ምጅማራ ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል ክነቕፋ ጸኒሐን እየን።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምቕራሕ ማይ ከም ብሓድሽ ክዝተየሉ እማመ ኣቕሪባ ምህላዋ ኢቲ ሚኒስተር ማይን መስኖን ሱዳን፡ ያሰር ዓባስ ተዛሪቡ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደብዳበ ከም ዝተቐበለ ዝገለጸ ሱዳናዊ ሚኒስተር ከም ዝበሎ፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ፡ “እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣብ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ጥራይ ዝተደረተ ክኸውንን፡ ንምሕደራኡ ዝምልከት ድማ ምስ ምምቕራሕ ማይ ሰማያዊ ናይል [ኣባይ] ክተሓሓዝ” ዝብል ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

ሰለስቲአን ሃገራት፡ ንዝሓለፈ ኣስታት 10 ዓመት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዘራረባ’ኳ እንተ ጸንሓ፡ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ እንከለዋ ድሮ እቲ ግድብ ማይ ከዐቁር ጀሚሩ’ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ግድብ ማይ ከዕቁር ምጅማሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ሓጎስ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ ግብጺ ግን እቲ ስጉምቲ ንብዙሓት ኣቖጢዑ’ዩ።