ጎንጺ ሱዳን፡ ላዕለዋይ ኮማንደር ሄመቲ ነቲ ሓድሽ ስምምዕ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ጥምረት ስቪላውያን ተቓወምትን፡ ታሪኻዊ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ከቲሞም።
እዚ ስምምዕ፡ ካብቶም ስቪላትን ወተሃደራትን ዝተወጻጽኡ ኣባላት ዘለዎ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክቐውም ዘረጋግጽ፡ ከምኡ'ውን ስቪላዊ ምምሕዳር ክምስረትን ሃገራዊ መረጻ ክካየድን መገዲ ዝኸፍትን'ዩ።
ቁልፊ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን 'ሄመቲ' ዳግሎ፡ ምስ ተቓወምቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ንምትግባር ቃል ኣትዩ።
ኣብ ሱዳን፡ ሓያል ሰብኣይ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር። ሄመቲ ዳግሎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ክልቲኦም ወገናት ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ እቲ ስምምዕ ከም ዝፍረም ገሊጹ ነይሩ።
እዚ፡ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘይምርግጋእ ሱዳን ብምብቃዕ ሓድሽ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምሰርት ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።
ሰልፈኛታት ደገፍቲ ዲሞክራሲ፡ ናዕብን ሰልፍን ከካይዱ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ፕሬዝደንት ኦማር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክእለ ተገይሩ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሽዱስተ ሲቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ዝሓዘ ሉኣላዊ ባይቶ ነታ ሃገር ከመሓድራ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሄመቲ እንታይ ኢሉ?
"ኣብ ሕድሕድ ዝፈረምናለን ስምምዓት ክንጸንዕ ኢና' ክብል ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ዘይናብ በዳዊ ኣዕሊሉዋ።
"ንሃገራዊ ረብሓ ስለ ዝኾነ፡ እንተዘይተሰማማዕና'ውን በዚ መገዲ ክንሰርሕ ኣለና። እዚ ንምፍጻም ድማ፡ ኣብቲ ስምምዕ ጸኒዕና ንክትግበር ክንሕግዝ ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ሕብስትን ነዳድን ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ፡ ምክንያት ናዕብን ሰልፍን ሱዳናውያን ምኻኑ ይዝከር።
ልፍንቲ ተቓወምቲ ሱዳን፡ ንሓደ ፍሉጥ ቁጠባዊ ኪኢላ ዝኾነ ሱዳናዊ ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ ከገልግል ትማሊ ሓጽይዎ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







