ኣብ ሱዳን ምስ ሰራዊት ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ

ሰልፈኛታት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ኣብ ኦምዱርማን ዝተኻየደ ሰልፊ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ ዝኹንኑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተኵሶም።

እቶም ሰልፈኛታታ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሓይልታት ጸጥታ ንዝተቐተሉ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ብጾቶም ንምዝካር እዮም ናብ ጎደናታት ወጺኦም።

እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክመልስ ዘኽኣለ ምስ ሰራዊት ዝተበጽሐ ስምምዕ'ውን ኮኒኖም።

ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓያላት ናይ ተቓውሞ ድምጽታትን፡ ሓምዶክ ምስ'ቲ ሰራዊት ዝኸተሞ ስምምዕ ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም።

ገለ ወገናት ከም ጥልመት ክርእይዎ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብፖለቲካዊ መሸፈኒ ምግባር ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ንሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ መሊስዎ።

ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ መሓዩር ዝጸንሐ ሓምዶክ ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ሓድሽ ሓበራዊ ስምምዕ ስልጣን እናተፈራሩሙ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዮም።

ብሰንኪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተላዕለ ተቓውሞን ናዕብን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ክግለጽ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ መርመራ ክካየድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ወተሃደራዊ መራሕቲ ድሕሪ ዕልዋ ንዘካየድዎ ለውጥታት ይግምግም ከምዘሎ'ውን ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝተዋህቡ መዝነታት ዳግመ-ግምት ከምዝግበረሎም ገሊጹ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቶም በቲ ዕልዋ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ዝተገብሩ ሰበስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ኣዚዙ።