ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈፀመ ግህሰት ትምርምሮ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ስልጣኑ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ድሕሪ ዕልዋ ንዘካየድዎ ለውጥታት ይግምግም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝተገደደ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝተዋህቡ መዝነታት ዳግመ-ግምት ከምዝግበረሎም ገሊጹ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቶም በቲ ዕልዋ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ዝተገብሩ ሰበስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ኣዚዙ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንኩሎም ትካላት መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከምዘውረዶም ይዝከር።

እቲ ብሰንበት ናብ ቦትኡ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝመርሖ መንግስቲ የብሉን።

ብዛይካ'ዚ፡ ሓምዶክ፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝተፈፀመ ግህሰት መርመራ ክካየድ ምዃኑ ከምዝተዛረበ'ውን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰሉስ ምስ'ቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ክቃለስ ዝጸንሐ ኪዳን ስምረት ንናጽነትን ለውጥን (ኤፍ-ኤፍ-ሲ) ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ከምዝሓበሮ፡ እቲ ስምረት ሕጂ ነቲ ኣብ መንጎ ዓብደላ ሓምዶክን እቲ ሰራዊትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝድግፎ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ልፍንቲ ቅድም ክብል ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ምምላሱ ስዒቡ፡ ምስቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ገሊፁ ነይሩ'ዩ።

ትማሊ ሰሉስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቲ ጉጅለን፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን እቲ ሰራዊት መሰላት ምውዳብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞ ከኽብርን ፀዊዖም።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሓያል ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 40 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ።

እቲ ልፍንቲ ቅድም ክብል ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ምምላሱ ስዒቡ፡ ምስቲ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዕሊ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ገሊፁ ነይሩ።

ትማሊ ሰሉስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቲ ጉጅለን፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን እቲ ሰራዊት መሰላት ምክያድ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞ ከኽብርን ፀዊዖም።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሓያል ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ደሪኹ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሓያል ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 40 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ይግለፅ።