ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ትማሊ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ።

ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ መሓዩር ዝጸንሐ ሓምዶክ ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ሓድሽ ሓበራዊ ስምምዕ ስልጣን እናተፈራሩሙ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ዝሸመ ጉጅለ ስቪል ፖለቲከኛታት ግን ምስ ወተሃደራት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ።

"መጻኢ ዕጫ ሱዳን መናእሰያት እታ ሃገር'ዮም ዝውስኑዎ" ክብል ወሃቢ ቃል ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን ዝተባህለ ልፍንቲ ሳዲቅ ኣቡ ፋዋዝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተላዕለ ተቓውሞን ናዕብን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ገና ይቕጽል ከምዘሎን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ካርቱም ሰራዊት ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ንክወጽእ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝኸድሉ እዋን ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ትኪ ከም ዝተኮሱሎም ተገሊጹ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣመራርሓ እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ክብተን እንከሎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ዕልዋ ተቓዊሞም ናብ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ ሰባት ድማ ብውሑድ 40 ተቐቲሎም።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ ዓብደላ ሓምዶክ "ደም ሱዳናውያን ክቡር'ዩ፤ ደም ምፍሳስ ጠጠው ኣቢልና መንእሰይ ናብ ህንጸትን ልምዓትን ንምርሓዮ" ብምባል እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢንኡን ግን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሑ ኣይተገልጸን።

ሰልፈኛታት ሕጂ'ውን እቲ ምስ ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕ ኣይንኣምኖን ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰልፈኛታት ሕጂ'ውን እቲ ምስ ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕ ኣይንኣምኖን ይብሉ

ካብ ሙሁራት፣ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝተወጻጽኡ ኣሸማገልቲ ድማ ነጥብታት እቲ ስምምዕ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው።

እዚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም እንከሎ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ኣባላት ካቢንኡን ከም ዝፍትሑን ናብ ቦትኦም ከም ዝምለሱን ይሕብር።

ወሲኹ እቲ ሱዳን ናብ ዴሞክራሲ ንምስግጋር ዝቖመ ምምሕዳር ስግግር ሱዳን ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ስቪላዊ ምምሕዳርን ግጭት ክፍጠር ከም ዝጀመረ ይዝከር።

እዚ ንኽልቲኦም ኣካላት ዝሓቖፈ ናይ ስግግር ምምሕዳር ድሕሪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝቖመ እዩ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ነቶም ሲቪላዊ መራሕቲ ክኣስሮም እንከሎ ሓያል ናዕብን ተቓውሞን ኣስዒቡ።

ንሱ "ዕልዋ" ኣይኮነን ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ስቪልን ሓይልታት ጸጥታን ጎነጽ ክልዓል ዝገበሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ስለ ዝነበሩ ነታ ሃገር ዘስግኣ ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ክዛረብ ጸኒሑ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣንጻር እቲ ዕልዋ መንግስቲ ሰልፍታት ተቓውሞ እንተካየዱ፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ናብ ዴሞክራሲ ከሰጋግሮም እምነት ዘሕደርሉ ለውጢ ተጨውዩ ዝብል ስምዒት ሓዲሩዎም'ዩ።

ሰራዊት ድማ ነቶም ናዕብታት ንምብታን ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኲሱ ተባሂሉ ይኽሰስ።

እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ ንሎሚ ዓብዪ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ መደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን እዩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ክሓትት ጸኒሑ።

ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ሱዳን ክትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ጠጠው ከብሎ እንከሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዋ።

ኣብ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሓድሽ ኣይኮነን።

ካብ 2019 ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ዝፈሸሉ ፈተነታት ዕልዋ ነይሮም'ዮም።