ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ሞተርሳይክላት ምፍራይ ዝጀመረት ርዋንዳ

ምንጪ ስእሊ, AMPERSAND
ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ካብ ካልት ከተማታት ብተጻራሪ ሰባት ቀትርን ለይትን ብዘይ ዝኾነ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝንቀሳቐሱላ ከተማ ምዃና እዩ ዝዝረበላ።
እታ ኣዝዮም ሰሓብቲ ብዝኾኑ ነገራት ከም ዝተመልአት ዝንገረላ ከተማ፡ ኣብ ዓለም ብጽሬተን ካብ ዝፍለጣ'ውን ሓንቲ እያ።
እዛ ልዕሊ 850 ነበርቲ ዝርከቡላ ከተማ ግን ብጽሬታን ብውሕሱነታን ጥራይ ኣይኮነን እትፍለጥ።
ብዘይ ዕረፍቲ ቶጎግ ቶጎግ ዝብላ ሞተር ሳይክላት'ውን መግለጺኣ እዮም።
ብፍላይ፡ 'ሞቶስ' ብዝብል ዝፍለጡ ሞተር ሳይክላት ብዙሓት ኣታዊ ዝረኽቡለንን ናብረኦም ዝመርሑለን እየን።
ዲዲየር ናዳባያህሪ ኣብ ጎደናታት ኪጋሊ ንልዕሊ 12 ዓመታት መንገደኛታት እናመላለሰ ጸኒሑ ኣሎ ።
ኣብዘን እናሰርሐ ዝጸንሐለን ዓመታት ንሞተሩ ነዳዲ እናቐለበ እዩ ነቢሩ ።
ዲዲየር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግና፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሞተር ሳይወክል ምሽክርካር ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ንእሽቶ ከቢድዎ እንተነበረኳ፡ ሕዚ ሕዚ ግና እቲ ንነዳዲ ዘውጸኦ ዝነበረ ክቑጥብ ኣኽኢልዎ።
"ኣብ መጀመርታ መዓልታት ጽቡቕ ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሞተር ከሽከርክር ንፈለማ እዋን እዩ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ መገዲኦ ይቋረጽ'ሞ ጠጠው ይብል ነይረ። እንተኾነ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እቲ ሞተር ብኸመይ ከምዝሰርሕ እደናፈለጥክዎ ምስከድኩ ፎትየዮ፤ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ክቑጥብ ክኢላ" ኢሉ።
ንሱ ዝሓዛ ሞተር ኣብ ርዋንዳ፡ 'አምፐርሳንድ' ካብ ዝተብሃለ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኩባንያ ዘፍሪ ሓደ ኩባንያ 60 ተሽከርከርቲ ሓንቲ እያ።
ማዕከል መጸገኒ ኣምፐርሳንድ
እቲ ሓድሽ ሞተር ን ንዲዲየር ዝስማማዕ ኾይኑ ኣሎ።
"ሕዚ ፎትየዮ እየ። ካብተን ብመነዳዲ ዝሰርሐ ሞተራት ብዘይፍለ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ዝኾነ ጸገም እየን ዝሰርሐ። ኣብ ምሽክርካር'ውን ምችኡንት ኣለዎ" ኢሉ።
ኩባንያ 'አምፐርሳንድ' ብኤሌክትሪ ዝሰርሓ ሞተራት ብምፍራይ ኣብ አፍሪቃ ቀዳሚ እንትኸውን፡ ኣብ መጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ኩለን ኣብ ርዋንዳ ዝሰርሓ ሞተራት ናብ ኤሌክትሪክ ናይ ምቕያር ተስፋ ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኪጋሊ 25 ሽሕ ግልጋሎት ዝህባ ሞተራት ኣለዋ።
ብኣማኢቲ ዝቑጸር ኪሎሜትራት ድማ ይሽፍና።

ምንጪ ስእሊ, AMPERSAND
ካብ መንጎኦም ገሊኦም ንልዕሊ 10 ሰዓታት ዝሰርሑ እዮም።
ዋና ፈጻ ሚ ሰራሕ አምፐርሳንድ፡ "ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ተሸከርከርቲ ልዕሊ ፍርቂ ሞተር ሳይክላት እየን" ይብል።
"እቶም ቀለልቲ ሞተራት ብዘበናዊ መኪና ወይደማ ብሞር ሳይክላት ናይ ብኽለት ኣየር መቐነሲ የብለንን፤ ከምኡ ኮይኑ'ውን ብመዓልቲ ብኣማኢቲ ዝቑጸር ኪሎሜትሮታት እየን ዝሽፍና፤ እዚ ድማ ንብኽለት ኣየር እዩ ዘስዕብ" ።
ኣብ ርዋንዳ ሓደ ኣሽከርካሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንነዳዲ ዘውጸኦ ገንዘብ ሓድሽ ሞተር ሳይክል ከግዘኦ ከምዝኽእል እዩ ዝዛረብ፤ እቲ ዋና ፈጻሚ። ምክትታልን ጽገናን'ውን ብቐሊሉ መስራሕ ከምዝካኣል ኣርኢና ኢና ይብል። መ
ከም እምነት እቲ ኩባንያ፡ ንነዳዲ ዝወጽእ ወጻእን ንጽገና ዝወጽእን ወጻእታት ኣዝዩ ከምዝንኪ ኣታዊ ሰብ ሞተር ብዕጽፊ ከምዝውስኽን ሓቢሩ ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሞተርሳይክላት ከምዘለዋ ይግመት።
'አምፐርሳንድ' ን ካልኦት ተመሳሳሊ ኩባንያታትን ኣብ ዕዳጋ ዘለዎም ብጽሒት እንተወሲኹ፡ ዓብለኽቲ ጋዛት ኣብ ምንካይ ዓቢ እጃም ከምዝህልዎም ይእመን።
እዚ ኩብንያ ኤሌክተትሪክ ምጽጋን ጥራይ ዘይኮነስ ቻርጅ'ውን ይገብር እዩ።
እቶም ኣብ ኪጋሊ ዝገጣጠሙ ሞተር ሳይክላት ካብ 150 ኣካላት ዝርከቡ እንትኾኑ፡ እቶም ባትሪታት ብመሃንዲሳት እቲ ኩባንያ ብፍሉይ መገዲ እዮም ዝሰር።
ዛጊድ ሓሙሽተ ባትሪ መቐየሪ መደብራት ከፊቱ እናሰርሐ ይርከብ።
እቲ ኩባንያ ዛጊድ 73 ሰራሕተኛታተር ቆጺሩ ዘስርሕ ኾይኑ፡ ሓደቲ መገጣጠሚ ቦታት እናኸፈተን ምስ ነባራት ኩባንያታት ሞተር ሓቢሩ ንምስራሕ እናተስማመዐን ይርከብ።
ሕድሕዱ ቻርጅ መግበሪ መደብር፡ ሓሙሸተ ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝሓተትዎ ይገልጽ።
መንግስቲ ርዋንዳ ኣብታ ሃገር ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲ ንምትእትታው ወይ ድማ ኢ-ትራንስፖኢኦት ንምጅማር ይሰርሕ ከምዘሎ ይዝረብ።
እዚ ስራሕቲ ንነዳዲ ዝወጽእ ከዘድሕንን፤ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥርን ይእመነሉ።
ቮልስዋገን ርዋንዳ ካብ 2019 ጀሚሩ ምስ ሲመንስ ብምትሕብባር ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምቅዋም ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።
ዛጊድ ክልተ ቻርግ ዝግበረሎም መደብራት ዝኸፈተ ኾይኑ፡ 20 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሐ መካይን ሰሪሑ ከምዘሎ ይመረዳእታት ይሕብሩ።
ሞተር ሳይክላት ኣምፐርሳንድ ኣብ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ስርሑ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







