ኮፕ26፡ ኣብ ግላስኮ ሓድሽ ውዕል ክሊማ ተፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደገኛ ለውጢ ክሊማ ንምውጋድ ዝዓለመ ውዕሊ ኣብቲ ኣብ ግላስኮ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኮፕ26 ተፈሪሙ፡፡
ውዕሊ ክሊማ ግላስኮ፡ ነቲ ‘ግሪንሃውስ ጋዝስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ በከልቲ ጋዛት ዝያዳ ዘመንጩ ተፈጥሮኣዊ ሕመት (ከሰል) ንምቕናስ ዝተበጸሐ ፈላማይ ስምምዕ እዩ።
እቲ ውዕሊ ቅልጡፍ ዝኾነ ምንካይ ልቀት ከምዝግበር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ንምጽዋር ዝሕግዘን ተወሳኺ ገንዘብ ክወሃባ እውን ቃል ተኣትዩ ኣሎ፡፡
እንተኾነ እቲ ስምምዕ ንሙቐት ዓለም ካብ 1.5 ሴልሸስ ከይሓልፍ ዝሕግዝ ከምዘይኮነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ቅድም ክብል ፍርያት ሕመት (ኮል) ደው ንምባል ተጀሚሩ ዝነበረ ድርድር ህንዲ ዝመረሐተን ሃገራት ብዘልዓለኦ ተቓውሞ መወዳእትኡ ኣይሰመረን፡፡
ሚኒስተር ክሊማ ህንዲ ቡፐንደር ያዳቭ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ‘‘ ኣብ ጉዳይ ምዕባለን ምቕራፍ ድኽነትን ኣተኲረን ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ከመይ ገይረን ከሰል ምፍራይ ደው ከብላ ይኽእላ?" ክብል ሓቲቱ ነይሩ፡፡
ኣብ መወዳእታ ግና ዋላኳ ገለ ሃገራት ቅረታ እንተሃለወን ነቲ ከሰል ምፍራይ ደው ምባል ዝብል ገዲፈን መጠን ኣብ ምንካይ ብዝብል ተሰማሚዐን ኣለዋ፡፡
በቲ ኩነታት ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኮፕ26 ኣሎክ ሻርማ፡ እቲ ውዕሊ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐባልነት እንተዝረክብ ኣዝዩ ጠቐሚ ክኸውን ከምዝነበረ ንብዓት እናተሓናነቖ ተዛሪቡ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ዩኬይ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ብዙሕ ዕዮ ከምዝጽበዮም ብምግላጽ ‘‘እንተኾነ እዚ ናይ ሎምመዓልቲ ውዕሊ ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ’’ ኢሉ፡፡
ልኡኽ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ብተመሳሳሊ ነቲ ውዕሊ ከምጽቡቕ ጅማሮ ንኢድዎ፡፡
ኣብ ኣፍደገ ክሊማዊ ሓደጋ ኣለና ክብል ዝተዛረበ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ግና ‘‘ናብ ህጹጽ እዋን ክንኣትወሉ ዘለና እዋን እዩ፤ እንተዘይኮይኑ እቲ ልቀት ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝሓዝናዮ ትልሚ ባዕሉ ዜሮ ክኸውን እዩ’’ ክብል ክብደት እቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ኣረዲኡ፡፡
ኣካል ናይዚ ውዕሊ ሃገራት መጠን ሙቐት ዓለም ኣብ 1.5 ሲልሸስ ደው ክብል ዝሕግዝ ልቀት ካርቦን ንምቕናስ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ክራኸባ እየን፡፡ እቲ ናይ ሎሚ ስምምዕ መጠን ሙቐት ዓለም ኣብ 2.4 ሴልሸስ ደው ክብል ጥራሕ እዩ ዝሕግዝ፡፡
መጠን ሙቐት ዓለም ብልዕሊ 1.5 ሴልሸስ እንተወሲኹ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውርድ ዝሕብሩ ተመራመርቲ፡ ሓደ ካብቶም ጽልዋታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብኸቢድ ሙቐት ክጥቅዑ እዮም ዝብል እዩ፡፡
ኣስታት 40 ምኢታዊት ዓመታዊ ልቀት ካርቦንዳይኦክሳይድ ካብ ሕመት እዩ ዝወጽእ፡፡ነዚ እዩ ድማ መጠን ሙቐት ዓለም ኣብ ምውሳን ዓብዪ ተራ ከምዘለዎ ዝግለጽ ዘሎ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







