ጉባኤ ክሊማ፡ ብሪጣንያ ንድኻ ሃገራት 290 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድኻታት ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕበለን ጉድኣት ንምክልኻል ዝሕግዝ 290 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትያ፡፡
መራሕትን ተወከልትን ሃገራት ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቶም ኣብ ግላስጎ ንመበል ካልኣይ ሰሙን ይዝትዩ ኣለዉ፡፡
እቶም ተወከልቲ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ድኻ ሃገራት ንዘስዕቦ ጉድኣት ካሕሳ ይከፈልዶ ኣብ ዝብል ክካትዑ ምዃኖም ተፈሊጡ፡፡
ክሊማዊ ለውጢ ጉድኣት ኣስዒቡልና እዩ ብቐጻሊ እውን እናገደደ እዩ ክኸይድ ኢለን ዝከራኸራ ድኻ ሃገራት ናይ 100 ቢልየን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረለን ክሓታ ጸኒሐን እየን፡፡
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ልቀት ክሊማ ዝብክሉ ጋዛት ዘለወን ኣበርክቶ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፤ እቲ ሓደ ሚኢታዊት ጥራሕ ዝሕዝ ሃብታም ክፋል ዓለምና ግና ልዕሊ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ጸፍሒ ድኽነት ዝርከብ 50 ምኢታዊት ህዝቢ ዓለም በካሊ ጋዝ ይፍኑ፡፡
መንግስቲ ብሪጣንያ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ሃገራት ኤስያን ፓስፊክን ንዕቀባ ሃብቲ ተፈጥሮን ንምስላጥ ትሑት ካርበን ዘምንጩ ዕብየትን ዝውዕል እዩ፡፡
እታ ሃገር ነቲ ንናይ ወጻኢ ሓገዝ ናይ ምቕናስ ትልሚ ብውሑድ ክሳብ 2024-25 ከምእተናወሖ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡
ጉባኤ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሙቐት ዓለም ብኸመይ ካብ 1.5 ሴልሸስ ከይሓልፍ ምግባር ይከኣል ኣብ ዝብል ኣተኲሩ ክሳብ ዝመጽእ ሰንበት ክቕጽል እዩ፡፡
ሎሚ ሰኑይ እቶም ተደራደርቲ፡ ዋዒ ዓለም ብፍላይ ኣብ ድኻ ሃገራት ዘስዕቦ ጉድኣት ብኸመይ ምክልኸል ይከአል ኣብ ዝብል ክዝትዩ እዮም፡፡
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ልቀት ንምቕናስ፣ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ንምልማድን ኣብ 2025 መጠን ልቀት ናብ ዜሮ ንምውራድን ናይ 100 ቢልየን ዶላር ሓገዝ እየን ዝሓታ ዘለዋ፡፡
ሃብታም ሃገራት እቲ ዝተጠቐሰ መጠን ገንዘብ ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ንምሃብ ብ2009 እየን ቃል ኣትየን ነይረን፡፡ እንተኾነ እቲ መጽበዓ ዘይተፈጸመ ኮይኑ ናብ 2023 ተሰጋጊሩ ኣሎ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







