ክልማዊ ለውጢ፡ ሕሉፍ ለውጢ ክሊማ 'ሓድሽ ተርእዮ' እዩ

ምንጪ ስእሊ, LUIS SINCO
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሃልሃልታን ባርዕን ዘኸትል ብርቱዕ ዋዕን ንብረትን ኣባይትን ዘዕኑ ዕልቕልቕ ማይን ሓድሽ ንቡር ተርእዮ ኵነታት ኣየር ይኸውን ከም ዘሎ ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ ይሕብር።
ርኡይ ክሊማዊ ምቅይያር 2021፡ "ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ትለዋወጥ" ኣብ ዘላ ዓለም ጕሉሕ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ካብ 2002 ጀሚሩ ን20 ዓመት ዝጸንሕ ገምጋም ዋዒ ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ካብ ቅድመ ኢንዳስትርያዊ ደረጃ ዝነበረሉ እዋን 1 ዲግሪ ሴልሽየስ ልዒሉ ይርከብ።
ኣብ 2021 ዓለማዊ ምልኣተ ባሕሪ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከም ዝደየበ ሳይንሳዊ መጽናዕታት የረድኡ።
እዚ ናይ 2021 ሓደሽቲ ኣሃዛት ብኣጋጣሚ ናይቲ ብ ሲኦፒ-26 (COP-26 ንመበል 26 ግዜ ብዛዕባ ክሊማ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ንምግላጽ እዩ። ንዓመታ እንተተኻይዱ ከኣ COP -27 እናበለ ክቕጽል እዩ) ዝፍለጥ ኣብ ግላስኮ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።
እቲ ጸብጻብ ኩነታት-ክሊማ፡ ከም ብርቱዕ ሙቐት፣ ክቱር ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ምምላእ ጽፍሒ ባሕርን ምውሳኽ መጠን ማይ ውቅያኖሳትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ክሊማ ይርከቦ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት እቲ ንጋዛት ዝከላኸል ግሪን ሃውስ ብዝያዳ ይውዒ ኣሎ።
እቲ ኣብ ግሪን ሃውስ ዝርከብ ጋዝ ምስ ዝመውቕ ነቲ ኣብ ሓምላይ ቤት ዘሎ ጸዓት የጥፍኦ።
ኣብ ናይ ምድሪ ሃዋህው ዝርከቡ ቀንዲ ጋዛት ግሪንሃውስ፡ ናይ ማይ ሃፋ፣ ካርቦን ዳይኦክሳይ፣ ሚተይን፣ ናይትረስ ኦክሳይድን ኦዞንን እዮም።
ግሪን ሃውስ ማለት (ሓምለዋይ ቤት) መናድቕን ናሕስን ዘለዎ ህንጻ እዩ። ከም ኮሚደረን ትሮፒካዊ ዕምባባታትን ዝኣመሰሉ ኣትክልቲ ንምብቋል ከኣ የገልግል።
እቲ ሓምላይ ቤት ኣብ እዋን ክረምቲ እንተኾነ እውን፡ ውሽጡ ማሙቕ እዩ። ቀትሪ ብርሃን ጸሓይ ኣብቲ ሓምላይ ህንጻ ይበርህ እሞ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣትክልትን ኣየርን ይመውቕ።
ለይቲ፡ ዋላ እውን ኣብ ግዳም ዛሕሊ እንተሎ እቲ ውሽጢ ቤት ግን ኣዝዩ ምዉቕ እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ መናድቕ እቲ ግሪን ሃውስ ንረስኒ ጸሓይ ስለ ዝዕቅቦ እዩ።
ይኹን እምበር ጸቐጢ ጋዛት ሓምላይ ቤት፡ ንመሬት ብርቱዕ ጩራ ጸሓይ ንከይወርድ ዝከላኸል ቀጸላታት ኦዞን ሽፋን ምድሪ ስለ ዘርቅቖ ዘይንቡር ዋዕን ለውጢ ክሊማ ይኽሰት ኣሎ።
ኣብ ዶባት ስኮትላንድ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢሙ'ዩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሙቐት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ዓለምና ትውዐዒ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ፕሮፌሰር ቪሞ ፔተርቲ ታላስ፡ "እቲ ሓድሽ ፍጻመታት፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ይብል።
ገለ ካብዚኣቶም ብሰንኪ ደቂ ሰብ እንፍጽሞ ተግባራት ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝስዕቡ ዘርኢ እሙን ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖታት ኣሎ " ኢሉ።
ፕሮፈሰር ታላስ ገለ ካብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ጽንኩር ፍጻመታት ብዝርዝር ይገልጽ።
- ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ዝለዓለ ኩምራ በረድ ዘለዎ ግሪንላንድ በረድ ከም ውርጪ ተነፍዩ ዝወርድ ኣብ ክንዲ በረድ ማይ ዘኒቡ
- ኣብ ካናዳን ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ክፋል ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሓንቲ ብሪትሽ ኮሎምብያ እትርከብ ቊሸት ዳርጋ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ብርቱዕ ዋዒ ሙቐት ተመዝጊቡ
- ኣብ "ለሰ ሞት" ካሊፎርንያ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሕቡራት ሃገራት ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ 54.4 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዋዒ ተመዝጊቡ
- ኣብ ቻይና ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ኣብ ኣዋርሕ ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ፈሲሱ
- ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤውሮጳ፡ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ቊጠባዊ ዕንወትን ህይወት ደቂ ሰባትን ቀዚፉ
- ኣብ ትሮፒካዊ ደቡብ ኣመሪካ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ብዘጋጠመ ደርቂ፡ ንዋሕዚ ወሓይዝ ስለ ዝነከዮ፡ ምህርቲ ሕርሻ ነክዩ ኣብ መጓዓዝያን ምፍራይ ጸዓትን እውን ሃስያ ወሪዱ
ብመሰረት መጽናዕቲ ዓለማዊ ውድብ ሜትሮልዮጂ፡ ምውሳኽ ምልኣተ ማይ ባሕርን ውቅያኖስን ካልእ ዘሻቕል ምዕባለ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብስርዓተ ሳተላይት ብልክዕ ዘተኣማምን መዐቀኒታት ካብ 1993 ክሳዕ 2002 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ጽፍሒ ባሕሪ ዓመታዊ ብ 2.1 ሚሊ ሜትር ማይ ይውስኽ ምህላው ተረጋጊጹ።
እንተኾነ ካብ 2013 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ግን እቲ ምልኣት ማይ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 4.4 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ ።
መብዛሕትኡ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝመክኽ ዘሎ ኩምራ በረድ እዩ ዝቀላጠፍ ዘሎ።
ዳይሬክተር ማእከል ብሪስቶል ግላሲዮሎጂ ፕሮፈሰር ጆናታን ቦምባ "ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሚሊኒያ (ክልተ ዘበን)፡ ምልኣት ባሕሪ ካብ ካልእ እዋን ብዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ኢሉ።
"ካብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ዘሕዝን ፍጻመ እንተቐጺልና፡ ኣብ 2100 እቲ ቑጽሪ ብክልተ ሜትር ክውስኽን ኣብ መላእ ዓለም ንኣስታት 630 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ከመዛብሎም እዩ። ናቱ ሳዕቤን ክግመት ዘይክእል ኣዝዩ ዘሰምብድ ክኸውን እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MARIO TAMA
ኣብ ግዜ ሙቐት 2021፡ ካብ ኣብ ዓለም ዝጸንሐ ሙቐት ብሽዱሽተ ወይ ሸውዓት ዕጽፉ ዝሞቐ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ብ"ላ-ኒና" ንሙቐት ዓለም ዘዝሕል ባህርያዊ ኵነታት ኣየር ብዝመሳሰል ክስተት ስለ እዝጸልወ እዩ።
እንተኾነ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ዓለማዊ ጸብጻብ መጠን ሙቐት ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ንመጀመርታ ግዜ ናብ 1 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ይበጽሕ ኣሎ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሊዮጂ ብሪጣኒያ ዝዓዪ ፕሮፌሰር ስቲቨን በልቸር "እቲ ናይ 20 ዓመት ገምጋም ካብቲ ቅድሚ ኢንዱስትርያዊ ዕቤት ዝነበረ ልዕሊ 1.0 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ምብጽሑ ነቶም ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ፓሪስ ተኣኪቦም እተሰማምዑ ሕጂ ኣብ ኣኼባ ሲኦፒ -26 ዝሳተፉ ዘለው ኣኼበኛታት ብአእምሮኦም ከቕልቡሉ ዝቕስብ'ዩ" ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብዛዕባ እዚ ትንታነ ሓሳብ ሓሳብ ክህብ እንከሎ "እዛ ፕላኔት ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ትቀያየር ኣላ" ክብል ተዛሪቡ።
"ብሰንክዚ፡ ካብ መዓሙቝ ውቅያኖስ ክሳብ ርእሲ ኣኽራን፡ ካብቲ ዝመኸኸ ዘሎ በረድ ናብቲ ዘየቋርጽ ምምዝባል ኵነታት ኣየር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ስርዒታትን ማሕበረሰባትን ይዓንዉ ኣለዉ" ዝበለ ጉተረስ "ኣኼባ ሲኦፒ-26 ግለስኮ ንሰባትን ፕላነታትን ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ኣለዎ" ክብል ተማሕጺኑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







