ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን መስርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቀላጥፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሱዳን ብመሪሕነት ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ኣመሪካን ድሕሪ ምዝርራብ ንመስርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቀላጥፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ፍሉይ ልኡክ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፐርተስ እቲ ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተኻየደ ዘተ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ንቡር ዝመልስን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበደላ ሓምዶክ ዳግም ናብ ቦትኡ ከምልስ ዝኽእል ተስፋታት ከም ዘሎን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበደላ ሓምዶክ ኣርባዕተ ካብቶም ተሓይሮም ዝነበሩ ሚኒሰትራቱ'ኳ እንተተፈትሑ ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ ናይ ገዛ ሕዩር እዩ ዘሎ።

ነቲ ንኣስታተ 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሓ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዝዓለወ ውሁድ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣንጻር እቲ ንዓብደላ ሓምዶክ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ንመሪሕነት ተረቢቡ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዓለመ ሰንበትን ሰኑይን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ።