ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ሓበራዊ እዚ ሰራዊት ንምጥያሽ ተሰማሚዖም

ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ እናፈረሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ሓበራዊ እዚ ሰራዊት ንምቛም ተሰማሚዖም፡፡

ቀንዲ ኣካል እቲ ኣብ 2018 ዝተገበረ ውዕል ዝኾነ እዚ ስምምዕ፡ ብኣሸማጋልነት ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ አታ ሃገር ጁባ እዩ ተሳሊጡ፡፡

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሪክ ማቻርን ዝተፈጠረ ወጥሪ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ሓይልታቶም ዝተፈጠረ ግጭት ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡

እቲ ትማሊ ዝተገበረ ስምምዕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታት ነቲ ሰራዊት ብሓባር ክመርሑ ዘኽእል እዩ፡፡

በዚ መሰረት ኣዘዝቲ ሰራዊት ፕረዚደንት ሳርቫ ኪር ኣብ 60 ምኢታዊት ወሰንቲ ቦታታት መሪሕነት ሰራዊት፣ ፖሊስን ጸጥታን ደቡብ ሱዳን ዝውከሉ ኮይኖም፡ ብወገን ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ዘለዉ ድማ ነቲ ዝተረፈ 40 ምኢታዊት ክመልኡ እዮም፡፡

ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት፡ ሽም ዝርዝር ነቲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሕዙ ኣባላቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም፡፡

ብምቕጻል: ሓበራዊ ሰራዊት ኣመሪቖም ከዋፍሩ ምዃኖም ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ክልተ ወርሒ ኣብዘይመልእ ግዘ ንምፍጻም ከምዝተሰማምዑ ተሓቢሩ፡፡

ንጉጅለ ማቻር ዝወከለ ሜጀር ጀነራል ማርቲን ኣቡቻ: ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰላም ከምዝናፈቖ ዝገለጸ ኮይኑ ‘‘ንቕድሚት ክንስጉም ተሰማሚዕና ኣለና’’ ኢሉ፡፡

ዞባዊ ጉጅለ ኢጋድ ብወገኑ ነቲ በቶም ወገናት ዝተፈጸመ ስምምዕ ዓብዪ ምዕባለ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝምራሕ ሰራዊትን ሓይልታት ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ዝተወለዐ ጎንጺ ነቲ ዘይደልደለ ውዕል ሰላም እታ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ክካየድ ዝተሓሰበ መረጻን ከየተዓናቕፎ ተሰጊኡ ነይሩ፡፡

መግለጺ ቪድዮ, ደቡብ ሱዳናውያን ካብ ዓለም እቶም ዝነውሑ ህዝብታት