ሱዳን 'ናይ መወዳእታ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንቲ ክኽተም እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Sudanese journalist group
መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ተቓወምትን፡ ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ክገብርዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ዘተ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከም ዝኽትሙ ተገሊጹ።
እዚ ዝተገለጸ መንጎኛታት ደቡብ ሱዳን ብሰሉስ ካብ ካርቱም ድሕሪ ምምላሶም እዩ።
እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ተቋሪጹ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ግና ልኡኻት መንግስቲ ሱዳን ካብ ካርቱም፡ እቶም ተቓወምቲ ድማ ካብ ጁባ፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝርርቦም ቀጺሎም ኣለው።
ኣማኻሪ ጸጥታ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ዋና ሸምጋላይ ስምምዕ ሰላም ሱዳንን፡ ቱት ጋልዋክ፡ ድሕሪ ናይ ካርቱም መገሽኡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ዘየሰማምዑ ነጥብታት ብቪድዮ ዝዝረበሎም ከም ዘይኮኑ ሓቢሩ።
"ኣብ ነባሪ ሰላም ንምብጻሕ፡ ኣብ ቪድዮ ክዝረበሎም ዘይክእል ጉዳያት ኣለው፤ ንኣብነት ናይ ጸጥታ ምዕረያ" ኢሉ።
"እቲ ናይ ካርቱም ልኡኽ ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ናብ ጁባ ክመጽእን ምስ ኣሕዋቱ ዝጀመሮ ዝርርብ ናብ መፈጸምታ ከብጽሖ ተረዳዲእና ኣሎና" ድማ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ነቲ ናይ ሓሙስ ዝርርብ ካብ ካርቱም ብቪድዮ ክጽምበሮ ምዃኑ'ውን ቱት ሓቢሩ።
እቲ ዘተ ሰላም፡ ነቶም ኣብ ዞባታት ዳርፉር፡ ሰማያዊ ኒልን ደቡብ ኮርዶፋን ኣንጻር ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘካተተ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







