'ኣብ ጉዳይ ቅትለት ጀነራል ሰዓረ፡ ፍርዲ ዝደንጎየ ተጠርጣሪ ውንኡ ስሒቱ ብምጽንሑ እዩ' ኣዳነች አቤቤ

ኣብ ጉዳይ ቅትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝተርኣየ ናይ ፍትሒ ምድንጓይ "በቲ ቅትለት ዝተጠርጠረ ሰብ ውንኡ ስሒቱ ብምጽንሑ ዝተፈጠረ እዩ" ክትብል ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል ኣዳነች ኣቤቤ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ ድማ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ መጋባእያ ንክልተ ወርሒ ብምቁራጹ ምድንጓይ ተፈጢሩ እዩ ኢላ።
ኣብ'ዚ ጉዳይ ዝተርኣየ ምድንጓይ ፍትሒ፡ ብዕሽሽነት መንግስቲ ዝተፈጠረ ኣይኮነን ድማ ኢላ።
ስድራ ናይቶም ዝተቐተሉ ጀነራላት 'ድሕሪ ሓደ ዓመት'ውን ከይዲ ፍትሒ ግቡእ ትኹረት ኣይተውሃቦን' ክብሉ ቅድሚ ሰሙናት መረረቶም ምግላጾም ይዝከር።
በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ ኮሎኔል ጽገ ኣለማየሁ "ደም ሰዓረን ገዛእን ግን ሰማዒ ስኢኑ የእዊ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ድምጹ ኣየስመዐሎምን፤ ሰራዊት ድምጹ ኣየስመዐሎምን፤ መንግስቲ 'ውን ድምጹ ኣየስመዐሎምን። እቲ ወዲ (ቐታሊ) ተታሒዙ ኣሎ ይበሃል፡ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ምስክር ክኾን ዝግበአኒ ኣነ እየ። ብዛዕባ እቲ ፍትሒ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዝፈልጦ የብለይን። ብዙሕ ሰብ ይሓተኒ፡ ዝፈልጦ ነገር ግን የብለይን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ ዘጋጠመ ዕግርግር
እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ኣብ ካልኦት ጉዳያት'ውን መብርሂ ዝሃበት ኮይና፡ እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ዕግርግር 'ገለ ሓይልታት ደይ መደይ ኢሎም ዝፈጠርዎ እምበር ሃንደበት ዘጋጠመ ኣይኮነን' ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝሰዓበ ዘይምርግጋዕ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ፡ ኣቐዲሞም ዕግርግር ንምፍጣር ብዝጸንሑ ሓይልታት ምዃኑ ኣብ ፌደራል ዋና ኣኽባር ሕጊ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ከም ዝበለቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኸሲቱ ምስ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ብዝተሓሓዝ ሞትን ዕንወትን፡ ልዕሊ 2700 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም እታ ዋና ኣኽባር ሕጊ ሓቢራ።
"ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዓቢ ጉድኣት ዘብጽሐ ረብሻ ንምፍጻም ኣቐዲሞም ተዳልዮም ክጸባበዩ ብዝጸንሑ ሓይልታት እዩ" ብምባል ሓንደበት ዝተፈጸመ ገበን ከም ዘይኮነ ገሊጻ።
ቅድሚ እቲ ቅትለት ምድላዋት ይግበር ምንባሩ ክተረድእ ከላ ወ/ሮ ኣዳነች፡ እቲ ስነጥበባዊ ከም ዝተቐትለ ምስ ተሓበረ፡ ኣጽዋር ኲናትን ሬድዮ ርክብን ዓጢቖም፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣዳልዮም ክንቀሳቐሱ ከለው ከም ዝተታሕዙ ተዛሪባ።
ምስ'ዚ ተተሓሒዙ ኣብ ጽባሕ መቕተልቲ እቲ ስነጥበባዊ፡ ብዝተኸስተ ወጥሪ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ካብ ዝኣተው፡ ምስ ኣቶ ጀዋር መሓመድን ቀቶ በቀለ ገርባን ብረት ከምኡ'ውን ካብ ኣካላት መንግስቲ ወጻኢ ክሕዞ ዘይፍቀድ ሬድዮ ርክብ ክርከብ ከሎ፡ እቲ መራኸቢ ብዙሓን'ውን ዝተፈላለየ ነገራት ይእውጅ ምንባሩ ሓቢራ።
ብዛዕባ ባልደራስ'ውን "ንቄሮ ዝጻረፉ፡ ኦሮሞ ኣይመርሓናን እዩ ዝብሉን ዝርብሹን ኣጉባዝ ኣብታ ከተማ ኣዋፊሩ" ብምባል፡ ነዚ'ውን ሰባት ተሓርዮም፡ ሞቶር ብሽክለታታትን ታኽስታትን ተመዲበን፡ ገንዘብ ተኸፊሉ፡ በሊሕ ሓጻውን ሒዞም ከም ዝወጹ ተጌሩ ኢላ። "እዞም ኣካላት ነዚ ኣቐዲሞም እንተዘየዳልው፡ ኣብታ ሓጻር እዋን ከምዚ ኣይምተፈጸመን" ኢላ።
ኪንዮ እዚ፡ ኣብ ኦሮሚያ፡ "ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣሰቓቕን ኩነታት ምስ ቅትለት ሃጫሉ ርክብ ዘይብሎም፡ ኣብ ዝኾነ ወገን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘይነበሮም ሰባት ኣብ ገዝኦም ክቕተሉ ተጌሩ" ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒና።
ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ረብሻ ደው ንምባል ጻዕርታት እንተዘይገብሩ፡ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጺኡ ዓቢ ጉድኣት ከብጽሕ ተኽእሎ ከም ዝነበረ ድማ ተዛሪባ።
ኣብ ጉዳይ ጌታቸው ኣሰፋ
ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ክሲ ከምዝቐረበን፡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዝወጸን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
"ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሓቢኡ ስለዘሎ፡ ናብኡ ሓይሊ ልኢኽካ ንሓደ ሰብ ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ካልኦት ክጉድኡ እዮም ብምባል፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዘየለሉ ፍርዲ ክወሃቦ ተወሲኑ'ሎ" ኢላ ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል ኣዳነች ኣቤቤ።
ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ ካብ መዝነቱ ዝተኣለየ ክኸውን ከሎ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ቀይዲ ከውዕሎ ክጽዕር ጸኒሑ እዩ።
ንሱ፡ ዛጊድ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ብወገን ህወሓት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ጌታቸው ኣሰፋ ዝቀርብ ክሲ ፖለቲካዊ መንቀሊ ዘለዎን ዘይግብኡን እዩ ብምባል ክነጽግዎ ጸኒሖም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







