ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ መን እዩ?

ስእሊ መንነቱ ዘይፍለጥ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዛዕባ ሓላፊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ካልእስ ይትረፍ፡ ስእሉ እኳ ብወግዒ ኣይፍለጥን። ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ግን መን እዩ? ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝተረኸበ:

- ኣቡኡ ሻለቃ ኣሰፋ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሴ ምክትል ኣዛዚ ስለላን መርማሪ ፖሊስን ግዝኣት ትግራይ ነይሮም።

- ግዚያዊ ወታሃደራዊ ደርግ ስልጣን ምስ ሓዘ እውን ካብ 1967-1969 ዓ.ም ኣብ ተመሳሳሊ ስልጣን ቀፂሎም።

- ደሓር ብሰንኪ ኣብ እዋን ደርግ ኣብ ዝነበሩ ውዳበታት ህዝቢ ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ሻለቃ ኣሰፋ ፀረ ህዝቢ እዮም ተባሂሎም ኣብ ፅርግያ ከተማ መቐለ ተቐቲሎም።

- ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀበሌ 14 እንዳ ኣቦይ ፍቓዱ ኣብ ዝበሃል መንደር ተወሊዱን ዓብዩን።

- ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተማሂሩ። ናብ 9ይ ክፍሊ ምስ ሓለፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ኣብ ጀነራል ውንጌት ትምህርቱ ቀፂሉ።

- እቲ ቤት ትምህርቲ ብደርግ ሽዑ ንሽዑ ስለዝተዓፀወ፤ ጌታቸው ኣብ መፈለምታ 1969 ዓ.ም ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ናብ ተሓህት ተፀምቢሩ፤ ተጋዲሉ።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ካዳሓራ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ታዕሊም ህወሓት ተዓሊሙ።

- ድሕሪ ተዓሊም ብቐጥታ ናብ 08 (ክፍሊ ህዝቢ) ተመዲቡ።

- ውድብ ህወሓት ናብ ሓደጋ ኣብ ዘእተወ እዋን ሕንፍሽፍሽ ስለዝተሳተፈ ኣብ እዋን ምጽራይ፡ ኣብ 1970 ዓ.ም ኣብ 06 (ቤት ማእሰርቲ) ተኣሲሩ። ኮይኑ ግና ቆልዓ ስለዝነበረ ብማዕዳ ናፃ ክወፅእ ተገይሩ።

- ብድሕሪኡ ናብ ኣሃዱታት ሰራዊት ህወሓት ተመዲቡ።

- ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ 1977 ዓ.ም ንዝተኻየደ ምስረታ ማሌሊት (ማርክሰ ሌኒናዊ ሊግ ትግራይ) ኣይኣምነሉን ብምባል ብፅኑዕ ተቓዊሙ።

- ይኹን እምበር ምስ መለስ ዜናዊ ጥቡቕ ቅርበት ስለዝነበሮ፤ መለስ ኣእሚንዎ ኣባል ማሌሊት ከምዝኾነ ይዝረብ።

- ጌታቸው፤ ብ 1981 ዓ.ም ኣብ ኣቤራ(ከባቢ ሩባ ተከዘ) ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ጉባኤ ውድብ ህወሓት ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኑ ተመሪፁ።

- ኣብ 1993 ዓ.ም ኣብ መንጎ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ምግምማዕ ምስ ተፈጠረ፤ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕንንት ኣይተ ክንፈ ገብረመድህን ብኢድ ሰብ ምስተቐተሉ፤ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ንዕኦም ተኪኡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕንነትን ኢምግሬሽንን ኮይኑ ሰሪሑ።

- ንውድብ ህወሓት ተኣማኒ ምዃኑ ይፍለጥ።

- ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ፤ ምስ ዝተተክኡ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ጥቡቕ ርክብ ብምፍጣር ሰሪሑ።

- ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ፀጥታን ተኣሳሲሩ ምስሉ ንህዝቢ ቅሉዕ ኣይኮነን።

- ኣይተ ጌታቸው በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን እዩ።

- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ካብ መዝነቱ ዝተልዓለ ክኸውን ከሎ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝጠርጠሮ ኣብ ቀይዲ ከውዕሎ ይጽዕር ኣሎ።