ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ጥምየት ካብ ዘጋጥመን 10 ሃገራት ሓንቲ ተባሂላ

ኣብ የመን ለካቲት 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ድኽነት ኣብ ምውጋድ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል ግብረሰናይ ኦክስፋም፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብጥምየት ዝሞቱ ክበዝሑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

"ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝስዕብ ጥምየት፡ መዓልታዊ 12,000 ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም" ዝበለ እቲ ትካል፡ እዚ ቁጽሪ ድማ ልዕሊ እቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ኦክስፋም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጥምየት መንቀሊ ዝበሎም ምኽንያታት ዘርዚሩ'ሎ።

ብስፍሓት ዘጋጥም ስእነት ስራሕ፣ ብምኽንያት ኣዋጃት ዕጽዋ ከጋጥም ዝኽእል ምንካይ ዓቕሚ ኣፍረይቲ መግቢ ከምኡ'ውን ኣብ ምክፍፋል ረድኤት ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ካብቶም ምኽንያታት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

በዚ ከጋጥም ዝኽእል ጥምያት ብዝያዳ ክህሰያ ዝኽእላ ብዝብል ድማ 10 ሃገራት ኣነጺሩ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ሃገራት እያ።

የመን፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ቭነዝዌላ፣ አፍጋኒስታን፣ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሳሕል፣ደቡብ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ሱዳንን ሃይቲን ከኣ እተን ዝተረፋ ሃገራት እየን።

ቅድም ክብል'ውን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጠነ-ሰፊሕ ሓደጋ ሕሱም ጥምየት ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎን ካብዘን ሃገራት ሓንቲ ድማ ኢትዮጵያ ከምዝኾነትን ገሊጹ ነይሩ።

ብገምጋም ትካል መግቢ ዓለም፡ ብዝሒ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሰባት ካብ 135 ሚልዮን ናብ 250 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል'ውን ኣሚቱ እዩ።