ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 10 ሃገራት ሓደጋ ሕሱም ጥምየት ከምዘንጸላለወን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ኣብ የመን ለካቲት 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፤ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጠነ-ሰፊሕ ሓደጋ ሕሱም ጥምየት ኣንጸላልዩዋ ኣሎ።

ሓላፊ ትካል መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊ፡ ነዚ ቅልውላው ንምውጋድ ህጹጽ ስጉምቲ የድሊ ኢሉ።

ብገምጋም ትካል መግቢ ዓለም፡ ብዝሒ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሰባት ካብ 135 ሚልዮን ናብ 250 ሚልዮን ክብ ክብል ይኽእል እዩ።

መብዛሕተኦም እቲ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ዘለዉ ድማ ብጎንጺ፣ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተጸልየን ኣብ ዘለዋ 10 ሃገራት ዝነብሩ ሰባት እዮም።

እዘን ንሃገራት ድማ፤ የመን፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኣፍጋሰስታን፣ ቬኑዝዌላ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ናይጄርያን ሄይቲን ምዃነን እቲ ዓለማዊ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን 61 ሚኢታዊት ካብቲ ህዝቢ ብስእነት መግቢ ተጸልዩ እዩ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ክፋላት ምብራቕ ኣፍሪቃን ደቡብ ኤስያን፡ ብሰንኪ ድርቂ ከምኡ ድማ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ እዩ ጸኒሑ።

ሓላፊ ትካል መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም "ብብልሓትን ብህጹጽን ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ" ኢሉ።

"ኣብ ውሽጢ ውሑድ ኣዋርሕ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሰ ዓይነት ክፉእ ጥምየት ከጋጥመና ይኽእል እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ግዜ የብልናን" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሕጽረት መግብን ከየስዓበ ክእለታትናን መደባትናን ኣዋዲድና ንስራሕ ኢሉ።

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ቁጣባ ትካል መግቢ ዓለም ኣሪፍ ሑሴን ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ሃስያ ዝያዳ ነቶም ቀደሙ'ውን ንጸገም ተቓሊዖም ንዝነበሩ ሚልዮናት እዩ በርቲዕዎም ዘሎ ኢሉ።

ብፍላይ ድማ፡ እቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ናብራ ዝነብሩ፡ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።