ጥርጡራት ሰራሕተኛታት ኦክስፋም ኣብ ሄይቲ ንመሰኻክር "ኣፈራሪሖም"

ዝፃወት ቆልዓ - ሃይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ማሕበር ጸብጻብ ናይቲ ብኣባላቱ ተፈጺሙ ዝበሃል ጾታዊ ብዕልግና ዘካየዶ ውሽታዊ ምርመራ ኣውጺኡ'ሎ።

ኣብቲ ናይ 2011 ጸብጻብ፡ ምስ ካልኦት ግብረ-ሰናያት ዝሰርሑ "ኣሸገርቲ ሰራሕተኛታት" ንምቁጽጻር "ብዙሕ ክግበር" ኣለዎ ኢሉ። እቲ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ብዘየገድስ፡ ብዙሓት ጥቁናት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ካልኦት ግብረ-ሰናያት ክሰርሑ ዕድል ተዋሂቦም'ዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቴስዓ ሃገራት ዝሰርሑ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ኦክስፋም፡ ኣብ ዝወስዶም ውሳነታት "ብዝተኻኣለ መጠን ግልጺ ክኸውን" ከምዝደሊ ኣብቲ ዘውጽኦ ዝተኣረመ (ኤዲት ዝተገብረ) ሰነድ ገሊጹ።

ገለ ክፋላት ናይቲ ዓሰርተ ሓደ ገጻት ዘለዎ ሰነድ፡ መንነት ናይቶም ሰለስተ ንመሰኻክር ዘፈራርሁ ሰባትን ካልኦትን ንምኽዋል ተባሂሉ ጸሊም ቀለም ተቐቢኡ'ሎ።

ኦክስፋም ነቲ ዘይተኣረመ (ኤዲት ዘይተገብረ) ሰነድ ሰኑይ ንመንግስቲ ሄይቲ ከረክብን ንዝተገብረ "ጌጋታት" ይቕሬታ ክሓትትን እዩ። ኦክስፋም ብኣተሓሕዛ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሄይቲ ፋይቶታት ተጠቒሞም ዝተባህሉ ሰራሕተኛታቱ ዓቢ ዓለ-ለኻዊ ጸቕጢ ክወርዶ ጸኒሑ'ሎ።

"ምድሃልን ምፍርራሕን"

ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ 2011 ኣብ ሄይቲ ብዘርኣይዎ ጠባያት፡ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ኦክስፋም ካብ ስራሕ ወጺኦም። ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኦክስፋም ፋይቶትታት ብምጥቃሞም ሓደ ሰርሕተኛ ክስጎግ እንከሎ ሰለስተ ካልኦት ድማ ስርሖም ለቒቖም።

ትሕቲ ዕድመ ፋይቶትታ ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ከምዝነበረ'ውን ይግመት። ክልተ ካልኦት ሰራሕተኛታት ድማ ብምድሃልን ምፍርራሕን ተኸሲሶም ካብ ስራሕ ተሰጒጎም። ሓደ ካብኦም ድማ ወሲባዊ ንጥፈታት ዘርኢ ምስልታት ጽዒኑ (ዳውንሎድ ገይሩ)። ሓደ ካልእ ድማ ንሰራሕተኛትት ስለዘይተላኸለሎም ተሰጒጉ።

ሮላንድ ቫን ሃወርመይረን

ምንጪ ስእሊ, VRT

መግለጺ ስእሊ, ሮላንድ ቫን ሃወርመይረን፡ናብ ሄይቲ ኣብ 2010 ቅድሚ ምኽያዱ ካብ 2006-09 ኣብ ጫድ ይሰርሕ ነይሩ

ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ ዳይሬክተር ስርሒታት ናይቲ ትካል ኣብ ሄይቲ ሮላንድ ቫን ሃወርመይረን በቲ መርማሪ ጉጅለ ምስ ተሓተተ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መንበሪ ኦክስፋም "ፋይቶታት ምጥቃሙ ተኣሚኑ"።

ሚስተር ቫን ሃወርመይረን ንፋይቶታት ገንዘብ ከምዘይከፈለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሒዱ። ምስቶም መርመርቲ ክሳብ ዝተሓባበረ ድማ "በብደረጃኡ ዝካየድ ክብሪ ዘለዎ ኣወጻጽኣ (ምስጓግ ካብ ስራሕ)" ድማ ተፈቒዱሉ። ኣብቲ እሩም ጸብጻብ ድማ፡ ከም ሓደ ካብቶም ንመሰኻክር ዘፈራርሑ ሰባት ስሙ ኣይተጠቐሰን።

ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት

ነውራማት ሰራሕተኛታት ነበር "ዳግም ስራሕ ከይቁጸሩ" ንምኽልካል "ዝሓሸ ብልሓት" ምፍጣር የድሊ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።

እቲ መጠንቀቕታ ብዘየገድስ ብዙሓት ዝተጠቀኑ ሰራሕተኛታት ድሒሮም ኣብ ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት፡ ኣብ ኦክስፋም'ውን ከይተረፈ ክሰርሑ ተቖጺሮም እዮም። ሚስተር ቫን ሃወርመይረን ድማ ከም ሓላፊ ናይ ናይቲ ተልእኾ ኣንጻር ጥሜት ኣብ ባንግላድሽ (mission for Action Against Hunger in Bangladesh) ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ስራሕ ተዋሂብዎ'ዩ።

ኣክሽን ኣንጻር ጥሜት ግን ኣብ ልዕሊ ሚስተር ሃወርመይረን ተኸታታሊ ምርመራ ከምዝገበረ፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዘይግቡእ ወይ ከኣ ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባያት ካብ ኦክስፋም ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦ ገሊጹ።