ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ ድሕሪ ኣኼባ ካቢነ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ዝሓመመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሞይቱ።
እቲ ወዲ 61 ዓመት፡ ኣብ'ቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ወኪሉ ክወዳደር ተሓጽዩ ነይሩ።
ንኽልተ እዋን ፕረዚደንት ኮይኑ ዝመርሐ፡ ኣላሳነ ኦታራ ንሳልሳይ ጊዜ ክወዳደር ድልየት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ እዩ።
ጎን ኮሊባሊ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ልቢ ሕክምና ኣብ ቀረባ መዓልትታት እዩ ካብ ፈረንሳ ተመሊሱ።
ፕረዚደንት ኦታራ ሃገሩ ኣብ ሓዘን ከም ዘላ ተዛሪቡ።


ጎን ኮሊባሊ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባ ካቢነ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ኣብኡ ከም ዝዓረፈን፡ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
"ብሞት እቲ ን30 ዓመታት ናይ ቀረባ መሳርሕተይ ዝነበረ፡ ንእሽቶ ሓወይ፡ ወደይ ኣማዶ ጎን ኮሊባሊ ሓዚነ" ኢሉ።
ሞት ኮሉባሊ ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ብዙሕ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ 2012 ናይ ልቢ ምስግጋር ዝተገብረሉ ኮሉባሊ፡ ብ 2 ግንቦት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ፓሪስ ድሕሪ ምኻድ ብሓሙስ ኣብ ዝተመለሰሉ "ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኮይነ፡ ሃገርና ናይ ምልማዕን ምህናጽን ስርሐይ ክቕጽል፡ ናብ ቦታይ ተመሊሰ ኣለኹ" ኢሉ።
ጎን ኮሉባሊ ካብቶም ኣብ'ቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክዕወቱ ትጽቢት ዝግበረሎም እዩ ነይሩ።
'ለ ሞንደ' ዝተባህለት ጋዜጣ ፈረንሳ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ "ጎን ኮሉባሊ ነቲ ምርጫ ብቁዕ እንተዘይኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኦታራ እንትርፎ ኣብቲ ምርጫ ምስታፍ ካልድ ኣማራጺ የብሉን" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ ከም ዘይሳተፍ ምግላጹ ነታ ሃገር ኣገሪሙ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







