ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ ድሕሪ ኣኼባ ካቢነ ሞይቱ

ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ፡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት እዩ ካብ ፈረንሳ ተመሊሱ

ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ዝሓመመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት ኣማዱ ጎን ኮሊባሊ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሞይቱ።

እቲ ወዲ 61 ዓመት፡ ኣብ'ቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ወኪሉ ክወዳደር ተሓጽዩ ነይሩ።

ንኽልተ እዋን ፕረዚደንት ኮይኑ ዝመርሐ፡ ኣላሳነ ኦታራ ንሳልሳይ ጊዜ ክወዳደር ድልየት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ እዩ።

ጎን ኮሊባሊ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ልቢ ሕክምና ኣብ ቀረባ መዓልትታት እዩ ካብ ፈረንሳ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኦታራ ሃገሩ ኣብ ሓዘን ከም ዘላ ተዛሪቡ።

Presentational white space
Presentational white space

ጎን ኮሊባሊ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባ ካቢነ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ኣብኡ ከም ዝዓረፈን፡ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

"ብሞት እቲ ን30 ዓመታት ናይ ቀረባ መሳርሕተይ ዝነበረ፡ ንእሽቶ ሓወይ፡ ወደይ ኣማዶ ጎን ኮሊባሊ ሓዚነ" ኢሉ።

ሞት ኮሉባሊ ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ብዙሕ ጥርጣረታት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ 2012 ናይ ልቢ ምስግጋር ዝተገብረሉ ኮሉባሊ፡ ብ 2 ግንቦት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ፓሪስ ድሕሪ ምኻድ ብሓሙስ ኣብ ዝተመለሰሉ "ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኮይነ፡ ሃገርና ናይ ምልማዕን ምህናጽን ስርሐይ ክቕጽል፡ ናብ ቦታይ ተመሊሰ ኣለኹ" ኢሉ።

ጎን ኮሉባሊ ካብቶም ኣብ'ቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክዕወቱ ትጽቢት ዝግበረሎም እዩ ነይሩ።

'ለ ሞንደ' ዝተባህለት ጋዜጣ ፈረንሳ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ "ጎን ኮሉባሊ ነቲ ምርጫ ብቁዕ እንተዘይኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኦታራ እንትርፎ ኣብቲ ምርጫ ምስታፍ ካልድ ኣማራጺ የብሉን" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ ከም ዘይሳተፍ ምግላጹ ነታ ሃገር ኣገሪሙ እዩ።