መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓባር መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ምስ መቐናቕንቱ ሪክ ማሻር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መቐናቕንቱ ሪክ ማሻርን፡ ዝተውሃቦም ገደብ ግዜ ቅድሚ ምብቅዑ ሓባራዊ መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም።

እዚ ምዕባለ ዝመጸ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጁባ ብሓሙስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ እዩ።

ሪክ ማሻር ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን፡ ጁባ፡ ብወግዒ ክምለስ እንተኾይኑ፡ ተሓባበርቲ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሓለዋ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ምምቕራሕ ስልጣንን ምጽንባር ተቐናቐንቲ ወገናትን ዝኣመሰሉ መፍትሒ ዘይረኸቡ ቀንዲ ዛዕባታት ኣብዝቕጽል መዓልትታት መዕለቢ ክግበረሎም ምዃኑ ሳልቫ ኪር ተዛሪቡ።

ማቻር ናብቲ ናይ ቀደም መዝነቱ ምክትል ፕረዚደንት ክምለስን ህሉው ካቢነ ፈሪሱ ኣባላት ተቓወምቲ ዝሓቖፈ ሓድሽ ካቢነ ክምስረት ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ነቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝዘለቐን ኣብታ ሃገር ዓብዪ ዕንወት ዘስዓበን ኲናት ሓድሕድ መዕለቢ ክገብረሉ ትጽቢት ይግበር። በቲ ኲናት ከባቢ 400,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን፡ ሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢሎም ብጥምየት ክሳቐዩ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምኽሳሱ ይዝከር።

እቶም መራሕቲ ኣብ 2016 ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሐ ሓባራዊ መንግስቲ መስሪቶም ነይሮም።