መራሒ ላዕዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ዩጋንዳ ተራኺቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ (የማን) ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ካምባላ እንዳተራኸበ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ዩጋንዳ ኤምባሲኣ ኣብ ዮሩሳሌም ክትከፍት'ውን ንፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዕድመ ኣቕሪቡ'ሎ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ መራሒ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዱ።

እዚ ፈላሚ ምልክት ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር'ዩ ዝረአ ዘሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጠኑ ዝተዓልወ በሽር፡ ንእስራኤል ብትሪ ዝቃወም ዝነበረ ኮይኑ፡ መንግስቱ ንፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ በምዕጣቕ ይድግፎም ነይሩ ተባሂሉ ይሕመ።

ሱዳን፡ ኣብ 1990ታት ንመራሒ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢን ላደን ድሕሪ ምዕቋባ፡ ኣብ 'መዝገብ ደገፍቲ ሽበራ ሃገራት' ኣመሪካ ኣትያ ትርከብ።

ጀነራል ዓብደልፋታሕ፡ ብኣመሪካ ዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ዋሽንግተን ታሪኻዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ክዘራረብ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት፡ መራሒ ሱዳን ናብ ኣመሪካ ክበጽሕ፡ እዚ ናይ መጀመርታ ክኸውን'ዩ።

ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ናብ ኣመሪካ 'ታሪኻዊ' ምብጻሕ ከካይድ'ውን ዕድመ ቀሪቡሉ'ሎ

ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ንምክያድ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝኸደሉ'ዩ፡ ምስ መራሒ ሱዳን ተራኺቡ።

ሌተናንት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ምስ ነታንያሁ ንምርኻብ ናብ ርእሰከተማ ካምፓላ ተጓዒዙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብቋንቋ እብራይስጢ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ምትሕግጋዝ ክጅመር ተሰማሚዕና፡ ታሪኽ [ተሰሪሑ]!" ኢሉ።

ዝምድና ጋንዳን እስራኤልን

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ዩጋንዳ ኤምባሲኣ ኣብ ዮሩሳሌም ክትከፍት ዘቕረቦ ዕድመ፡ ከም "ዘጽንዖ" ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ተዛሪቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ርክብ፡ ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዮሩሳሌም ኤምባሲ ክፈት፡ ኣብ ካምፓላ ኤምባሲ ክኸፍት። ኣብዚ ቀረባ እዋን ክንገብሮ ድማ ተስፋ እገብር" ክብል ተሰሚዑ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ብወገኑ፡ "ሓደ መሓዛኻ፡ ኤምባሲኻ ኣብዚ ዘይኮነ ኣብዚ ክኸውን'የ ዝደሊ እንተ ኢሉካ፡ ስለምንታይ ....." ኢሉ ነቲ ዘረባ ከይመለኦ ናብ ካልእ ብምስጋር፡ "ብሓቂ ንሰርሓሉ ኣለና፡ ነጽንዖ ኣለና" ከም ዝበለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብታ ኣካታዒት ከተማ ዮሩሳሌም ኤምባሲ ዝኸፈታ ኣመሪካን ጓቲማላን ጥራይ እየን። እቶም ንምብራቕ ዮሩሳሌም ከም ርእሰከተምኦም ክትከውን ዝደልዩ ፍልስጤማውያን ንስጉምቲ ክልቲአን ሃገራት ክኹንንዎ ጸኒሖም ኣለዉ።

ክልቲአን ሃጋራት ዝወሰድኦ ስጉምቲ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን፡ ምኽንያቱ ዮሩሳሌም ክልቲኦም ወገናት ናትና ዝብልዋ ብምዃና፡ ካብ ፖለቲካ ናጻ ክትከውን ዝጸንሐ ምርድዳእ ክቕጽል ስለዝድለ።

ሙሰቨኒ፡ ካብ ሓደ "ሕብረት ክርስትያናት ዩጋንዳ ንእስራኤል" ዝባህለ ጉጅለ፡ ዩጋንዳ ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትጅምር ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ጉጅለ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዮሩሳሌም ክኸውን'ዩ ዝጠልብ።

መራሒ'ታ ሃገር ነበር ኢድ ኣሚን ኣብ 1972 ርክብ ቅድሚ ምብታኹ፡ ዩጋንዳ ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ 1976፡ ብፍልስጤማውያን ተቓወምቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን ሓራ ንምውጻእ፡ እስራኤል ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኢንተበ (ካምፓላ) ዘካየደቶ ወታሃደራዊ ስርሒት'ውን ንዝምድነአን ሓላሊኽዎ'ዩ ጸኒሑ።

እቶም ዕጡቓት፡ ንሓንቲ ካብ ተልኣቪቭ ተበጊሳ ናብ ፓሪስ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ድሕሪ ምጭዋዮም፡ ኣብ ዩጋንዳ ክትዓልብ ኣገዲዶማ።

ንካልኦት ተጓዓዝቲ ብምልቃቕ፡ ንኹሎም እስራኤላውያንን፡ ኣይሁዳዊ እምነት ዘለዎም ጅሆ ሒዞም፡ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቦም።

ብመሪሕነት፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ፡ ፍሉይ ኣሃዱ ዶማንዶ ከይተፈልጠ ብነፈርቲ ናብ ኢንተበ ብምእታው፡ ነቶም ዕጡቓት ብምቕታል ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ዜጋታት እስራኤልን ካልኦት ኣይሁዳውያንን ናጻ ብምውጻእ ንእስራኤል ወሲዶሞም።

ኣብቲ ብዙሕ መጽሓፍቲ ዝተደርሰሉን፡ ፊልሚታት ዝተሰርሓሉን፡ ፍሉጥ ስርሒት፡ ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ኮማንዶ፡ ሓደ ተቐቲሉ- ዓቢ ሓዉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ዮናታን ነታንያሁ ይበሃል።