እየሩሳሌም ንመን ትግባእ ዝብል ሕቶ ኣዝዮ ኣካታዒ እዩ

እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰበ-ስልጣናት ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እዮሩሳሌም ብቕልጡፍ ኣይከግዕዝዎን።

እዚ ዜና'ዚ ቅድሚ'ቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሮቡዕ [6 ታሕሳስ] ክገብሮ ዝተመደበ መደረ ኢዩ ተቓሊሑ።

ኣቐድም ኣቢሎም መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣንጻር'ዚ ምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ ዮሩሳሌም ኣጠንቂቖም፡ እቲ መደብ "ብርኡይ ንኣስላም ንምቑጣዕ ዝዓለመ" ኢዩ ድማ ኢሎም።

እታ ንእስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ቅድስቲ ቦታ ዝኾነት ዮሩሳሌም ንመን ትግባእ ዝብል ሕቶ ኣዝዮ ኣካታዒ ኢዩ።

ብመሰረቱ እስራኤል ንዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማኣ ኢያ ትቖጽራ፡ ፍልስጤማውያን ድማ ምብራቕ ዮሩሳሌም ከም መጻኢት ርእሰ ከተማ ምምሕዳር ፍልስጤም ድማ ይቖጽርዋ።

ድሕሪ 1948 ምምስራት መንግስቲ እስራኤል፡ ኣሜሪካ ንዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ዝፈለጠት ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውን ኢያ።

መንግስቲ ኣሜሪካ እንታይ መግለጺ ኢዩ ሂቡ?

ሰበ ስልጣናት ምምሕዳር ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ንእየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤም ምፍላጥ ፕሬዚደንት ትራምፕ "ንክውንነት ኣፍልጦ ከምዝህብ" የርኢ ኢሎም።

እንተኾነ ገለ ዶባት ናይታ ከተማ ስጋብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝግበር ከምዘለዎ ክጸንሕ ምዃኑን እቶም ሰበስልጣናት ገሊጾም። እታ ቅድስቲ ቦታ ግና ኣይክትንከፍን ኢዩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ እቲ መስርሕ ምግዓዝ እቲ ኤምባሲ ናብ እየሩሳሌም ክጅመር ንምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ምምርሒ ክህቦም ኢዩ። እንተኾነ እቲ መስርሕ ዓመታት ክወስድ ኢዩ።

ፍልስጤማውያን ተቓወምቲ ምስሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣንዲዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ተቓወምቲ ምስሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣንዲዶም

እቲ ምግዓዝ ኤምባሲ ንፕሬዚደንትነት ጎስጓስ ኣብዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ነቶም ደገፍቲ እስራኤል ዝኾኑ ኣድመጽቲ ዝኣተወሎም ቃል ኢዩ ነይሩ።

ስጋብ እቲ ሓድሽ ህንጻ ናይቲ ኤምባሲ ኣብ ዮሩሳሌም ዝህነጽ ድማ እቲ መስርሕ ምግዓዝ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ዮሩሳሊም ከይካየድ ዝእግድ ሰንድ ፕሬዚደንት ትራምፕ ክፍርም ምዃኑ እቶም ሰበስልጣናት ገሊጾም።ፕሬዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ወግዓዊ መግለጺ ምሃቡ ንብርክት ዝበሉ መራሕቲ እቲ ዞባ ብቴሌፎን ብዛዕባ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ዮሩሳሌም ናይ ምግዓዝ መደባቱ ገሊጹሎም።

ናይ ዓለም ርእይቶ'ኸ ከመይ ነይሩ?

ቅድሚ ናይ ኣሜሪካ ናይ ምግዓዝ መደባት ምርግጋጹ፡ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ቢን ኣብዱልዓዚዝ ኣል-ሰዑድ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ምግዓዝ ኤምባስን ንዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምፍላጥን "ብርኡይ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኣስላም ንምቑጣዕ ዝዓለመ ኢዩ" ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ምስ መራሕቲ ማእከላይ ምብራቕ እንተላይ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔተኒያሁን ከምዝተዘራረበ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ገሊጹ።

ገለ ካብ ተቓውሞታት እቶም መራሕቲ፡

- መራሒ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ "እቲ ውሳኔ ንመስርሕ ሰላም ብሓፈሻ ንሰላምን ጸጥታን ርግኣትን እቲ ከባብን ዓለምን ዝህልዎ ሓደገኛ ሳዕቤናት" ኣጠንቂቑ።

- ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ድማ እቲ ውሳኔ "ነቲ መስርሕ ሰላም ንምጅማር ዝግበር ጻዕርታት ዘዳኽምን" ንኣስላም ድማ ዘቖጥዕን ኢዩ ኢሉ። ዮርዳኖስ ከም ኣመሓዳሪት ናይታ ናይ እስላም ክፋል ዝኾነት ዮሩሳሌም ጸኒሓ።

- ፕሬዚደንት ዓብዱላ ፈታሕ ኣል-ሲሲ ናይ ግብጺ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ "ንኩነታት እቲ ከባቢ ከይሓላልኾ" ተማሕጺንዎ።

ቅድሚ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ስልፍታት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣሜሪካን ቤተስቦምን ናብታ ጥንታዊት ከተማ ዮሩሳሌምን ምዕራባዊ ገማግምን ብውልቀ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ኣጊድዎም።

ፕሬዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋን ድማ ኣሜሪካ ዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል እንተፈሊጥዋ ሃገሩ ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ምዃና ኣጠንቂቑ።

እስማዒል ሃኒያ፡ ምራሒ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ድማ ምግዓዝ እቲ ኤምባስን ምፍላጥ ዮሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ እስራኤል ከም ምጥሃስ "ቀይሕ መስመር" ይቑጸር ኢሉ።

ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ጥምረት ዓረብን [ኣረብ ሊግ] ስክፍታቶም ገሊጾም።

እስራኤል "ንኹሉ እንተታት'" እንተላይ ንጎነጽ "ቅርብቲ" ምዃና ናይ እስራኤል ናይ ጸጥታ ምኒስተር እስራኤል ካታዝ ንሬድዮ ሰራዊት ሓቢሩ።