ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦትን ዝተነበረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI
መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 5 ክሳብ 6 ጥሪ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ነይሩ።
እቶም መራሕትን ወከልትን ሃገራት ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝተነብረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዖም።
ኤርትራ ኣብቲ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዳ ሓዊሳ ብዝብል ኣመሪካ እገዳ ከም ዘንበረትላ ይፍለጥ።
ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ፖለቲካውን ቁጠባውን እገዳታት ብምግባር ጸቕጥታት ይግብራ ኣለዋ ብምባል እቲ ተግባር ብተሪር ኩኑን ምዃኑ ገሊጹ።
መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝኾና ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃን ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ ተግባራት ካብ ምግባር ክቁጠባ ኣለወን ኢሎም።
ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝገብራ ሓያላት ሃገራት ድማ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕሳ ከም ዘለዋ ክፈልጣ ኣለወን ኢሎም።

ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ልኡላውያን ሃገራት ዝግበር ግዳማዊ ምትእትታው ክውገድ ከም ዘለዎን ኣባላት ሃገራት ብትሪ ከም ዝቃወመኦን ተገሊጹ።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ዚምባብወ ኣንቢርዎ ዘሎ እግዳ ንቁጠባዊ ሕውየት እታ ሃገር ዝሃስዮ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ እገዳ ከልዕሎ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ምሕጽንታ ቀሪቡ።
ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ዙምባብወ ዘንበረኦ እገዳ ከልዕልዎ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብኣመሪካ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ምሽማት ኣጽዋር ክልዓል'ውን እቶም መራሕቲ ጸዊዖም።
እቲ ሕብረት፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረኦ እግዳ ከልዕልኦ ብምጽዋዕ፡ ንሃገራት ዚምባብወ፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







