ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, EriTV

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ትማሊ ቀዳም 08 ጥሪ 2022 ምስ ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣብ ዞባዊ፡ ዓለምለኻውን ውሽጣውን ጉዳያት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

ንውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሮም ዝምልከት ተስፋ ዝህቡ ሓደስቲ ፖሊሲታት ዝተጸበዩ ብዙሓት ኤርትራውን ግን ትጽቢቶም ከምዘይተማልአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብረመልሲ ሂቦም ኣለዉ።

መሻርኽቱ ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ኣብ በዓል ልደት መራሕቲ ህወሓት ነበር ዝርከብዎም ፍሉጣት ፖለቲካውያን እሱራት ምፍትሑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስዶ ይኸውን ብምባል ተስፋ ዝገበሩ ኣይተሳእኑን ነይሮም። እንተኾነ ግን፡ ከምዝተመነይዎ ኣይኮነሎምን።

ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ቃለ-መሕትት ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ዘተኮረ'ኳ እንተነበረ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ብዝምልከት'ውን ሓጺር ሓፈሻዊ ዳህሳስ ሂቡሉ'ዩ።

ውሽጣዊ ጉዳያት

ኣብዚ ዓመት'ዚ ዘሎ ናይ ልምዓት ውጥንን መደባትን እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ኣብ ዝተሓተሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "እቲ መደባት ሓድሽ ምህዞ የብሉን፡ ምኽንያቱ ናይ ልምዓት መደባትና ኣለዉ" ብምባል፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ልምዓት ሃብቲ ማይን ጸዓትን ምዃኖም ጠቒሱ።

ንጽርግያ ብምዝልከት፡ "ካብ ባጽዕ ንኣስመራ መጺእካ፡ ካብ ኣስመራ ንኸረን፡ ካብኡ ንኣቚርደት፡ ካብኡ ንተሰነይ፡ ካብኡ ንኦምሓጀር ክትከይድ ጥዑይ ጽርግያ ኣሎ? የለን" ክብል ኣብታ ሃገር ድኹም ትሕተ-ቅርጺ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ን"ልምዓት ጸጋ ማይ" ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን፡ ንርእሰከተማ ኣስመራ ቀዳምነት ከምዘይወሃቦ ብምግላጽ፡ ካልኦት ቦታታት'ውን ማይ ክረኽቡ ኣለዎም ኢሉ።

"ጸዓት ኣብዚ ሃገርን የለን። ናይ ሕርጊጎ፡ ናይ 120፡ ናይ 80፡ ናይ ክንደይ ሜጋ ዝነበረ ዝበሃል ዘሎ፡ ብኡ ክትዛረብ ሎሚ ዘሕፍር ነገር'ዩ"።

" ነቲ ዝነበረና'ውን ጸጊንና፡ ተኸናኺንና ከነስርሖ ኣይከኣልናን ይትረፍ ክንውስኸሉ፡ ኣይወሰኽናሉን። ብዘይ ጸዓት ግን ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ናይ ኤለክትሪክ ሕጽረት ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንጸዓት ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሳሳሊ ገምጋም ክህብ'ኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ቅልውላዉ ግን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።

ብሓፈሻ ቁጠባ እታ ሃገር'ውን፡ "ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ'ዩ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ'ዩ 'ምበር ናይ ብሓቂ ቁጠባ ኣለና ኢልና'ውን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ነቲ እናተዳኸመ ክምጽእ ዝጸንሐ ቁጠባ'ታ ሃገር ገሊጽዎ። ነቲ ቁጠባ ንምዕባይ "ናብ ምስናዕ ክንሰጋገር ኣለና" ድማ ኢሉ።

ማዕረ-ማዕሪኡ'ውን መንግስቱ "ንሃገራዊ ድሕነት" ኣቶክሮ ዝህቦ ምዃኑ ገሊጹ።

ጉዳይ ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን

ጉዳይ ኢትዮጵያ በዚ ናይ ሕጂ ግጭትን ኵናት ዶባትን ጥራሕ ዘይኮነ ነዊሕ ድሕረባይታ ከምዘለዎን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተኸታተልቲ ስርዓታት፡ ሃይለስላሰ፡ ደርግን ወያነን ንዝሓለፈ 80 ዓመታት ንዕድልን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ስለዝጸለውዎ ኣብታ ሃገር ንዝመጽእ ምዕባለታት ብደቂቕ ክከታተልዎ ከምዝግደዱ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ርግኣት ከይመጽአን ንዕኡ ዝበቅዕ ስርዓተ መንግስቲ ከይተተኽለን፡ መምስ ዝመጽአ ፍነው ነገራት ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ድሩት ኣበርክቶ እውን ክንገብር ስለዘሎና ስቕ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእል ኢና" ድማ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ምምጻእ ዶክተር ኣቢዪ ተኣሳሲሩ፡ እቲ ን18 ዓመታት ዝጸንሐ ወጥሪ ክፍታሕ ከምዝኸኣለ ብምዝራብ፡ ይኹን እምበር ህወሓትን ስሞም ዘይገለጾም መሻርኽቶምን ነቲ ለውጢ ስለዘይተቐበልዎ ካብ ፈለማ ሻቕሎት ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

ነቲ ለውጢ፡ "ሰብ ብብህሪኡ ትስፉው ስለዝኾነ ሰላም ሰላም ምስተባህለ ኣዕሚቑ ከይጠመተ ነቲ ነገር ከም ኣዎንታ ይቕበሎ" ብምባል ስርዓቱ ግን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ብጥንቃቐ ከም ዝሓዞ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሰራዊቱ ኣብቲ ኣብ ኣፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ብምእታዉ ብከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ሓያል ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ህወሓት ናብ ኤርትራ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ፡ "ተወጢኑ ዝነበረ ታርጌታት [ዒላማታት] ልዕሊ ሚእቲ'ዩ" ብምባል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝገበርዎ ምትእትታው "ርእሰ-ምክልኻል'ዩ" ክብል መጒቱ።

ትካላት ተጣበቕቲ መሰላትን መራሕቲ ህወሓትን፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ዝርከቦም ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ክብሉ ይኸሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጎ ጸኒሓ'ላ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ካብ መቐለን ካልኦት ቦታታትን ምውጽኡ "ዘይተጸበናዮ ሃንደበታዊ ምዝላቕ" ከምዝኾ ብምግላጽ "ስልታዊ-መኻልፍ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ገዚፍ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ "ሰሜን እዚ" መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም "ሓሙሽተ ሽዱሽተ ሽሕ ዝኾኑ" ኣባላት ናይቲ እዚ ናብ ኤርትራ ከምዝተጸግዑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝማዕበለ ምትፍናን መዓስ ከምዝፍወስን መን ከምዝፍውሶን ዓቢ ምልክት ሕቶ እዩ" ድሕሪ ምባል "ግን ባዕሎም ይፈልጡ ጉዳዮም እዩ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእል ኢና። ግን ብፍላጥን መደብን ዝመጽአ ቅዲ እዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣዕቊቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቃለ-መሕትቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ሶማል ዝተራእየ ምምቕቓልን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ኩነታትን እውን ዘሻቕል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ናይ ዜግነት ሃገራት ኣብ ክንዲ ምህናጽ ናይ ናይ ብሄረሰብ ሃገራትን ትካላትን ክስርቱ ዝደልዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣለዉ ክብል'ውን ከሲሱ።

"ኣብ ምክልኻል ድሕነት ቁጠባ ህይወት ናይታ ሃገር ዘተፋንን ስርዓት እንተፈጢርካ ብዝኾነ ተኣምር ከተሕውዮ ኣይከኣልን እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ዝጸንሐ፡ መሰል ብሄር-ብሄረሰባት ከኽብር ተባሂሉ ዝተዋቐረ ስርዓት ፌዴራሊዝም፡ ብተደጋጋሚ ክነቅፍ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ጸቕጥታትን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ኣብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት'ውን ከምቲ ልሙድ ሰፊሕ ዘረባ ኣስሚዑ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘካይዶም ዓመታዊ ቃለ-መሕትታት፡ ብዛዕባ'ቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ "ዝሑል ኲናት" ይኹን ድሕሪኡ ክፍጠር ተፈቲኑ ዝብሎ "እንኮ-ቀጽራዊ" ዓለማዊ ስርዓት ክዛረብ'ዩ ዝስማዕ። ኤርትራ ድማ ግዳይ ናይዚ ምዕባለታት'ዚ ምዃና'ዩ ዝኣምን።

ንኹሉ ቅልውላዋት ናይ ዓለም፡ ናይ ዕብለላ ኣጀንዳ ዝሰርዑ ውሑዳት "ሰብ ፍሉይ ረብሓ" ዝበሎም ሰበስልጣን ኣመሪካ " ኤርትራ ንእስትራቴጂካዊ ረብሓና ኣይተገልግልን ኢያ" ብምባል ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወሰኑ ኣደራዕ ክልተ ወለዶ ከምዝተኸፍለ፡ ተዛሪቡ።

ብድሕሪኡ እውን እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓንሳብ ብሓኔሽ ካልእ ሳዕ ብባድመ፡ ካልእ እዋን ብጂቡቲ ረጽምን ግጭትን ብምኹስካስ ኤርትራ ንቕድሚት ከይትስጉም ብጠቐነ ክስን ፍርድን ካብ 2009- 2018 ብእገዳ ከምዝቐጽዑዋን ሕጆ እውን ምስ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ዘይፍትሓዊ ዝበለ እገዳታት ከምዝጸዓኑዋ ነቒፉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ካብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኲናት ብምእታዉ ክንቀፍ'ዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ፈጺምዎ ኢሉ ብዝከሶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተልዓለ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት እገዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ነቲ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘይቕበል መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ስጉምቲ ኣቖጢዑዎ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኣገዳስነት ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብምልዓል፡ ምስታ ሃገር ዘለዎ ስትራተጂካዊ ሽርክነት ናብ ግብራውነት ዝሰጋገረሉ ምርድዳኣት ከምዝተፈረመ ጠቒሱ።