ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምሕረት እሱራት ይፈትሕ'ዶ ይኸውን?

ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Eritrea MOI

ሎሚ ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ብዙሓት ዜጋታት ከኣ ፕሪዚደንት ኢሳይያስ'ከ፡ ከምቲ ኣመሪካ ዝተማሕጸነቶን መሻርኽቱ ኣቢይ ኣሕመድ ዝገበሮን እሱራት ይፈትሕ'ዶ ይኸውን ብማለት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዘራረቡ ኣለው።

ንዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራውን ህዝባውን በዓላት፡ ፕሪዘደንት ኢሳይያስ፡ ንእሱራት ፖለቲካን ሕልናን ብምሕረት ይፈትሖም'ዶ ይኸውን ክብል ዓመት መጽአ ቁሊሕ ክብሉ ምጽንሖም ዝዛረብ ዮናስ ኣርኣያ፡ "ኣብ መስርሕ ዘይቅየር ነገር ስለዘየሎን ነቲ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ብመሻርኽቲ ኢሳይያስ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንእሱራት ዝተገብረ ምሕረት ኣብ ግምት ብምእታው ተስፋ ይህሉ ይኸውን'' ዝብል እምነት ከምዘለዎ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ንልዕሊ 10 ዓመት ዝኣሰሮም ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ምፍትሑ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ ዮናስ እቶም ዝተፈትሑ እሱራት ብዘይካ ሃይማኖታዊ እምነቶም ምንም ዝፈጸሙዎ በደል ስለዘይነበሮም ከም ሓቂ መንግስቲ ኣብ ርእሲኦም ንዝፈጸሞ ግህሰት ይቕሬታ ብምሕታት ክኽሕሶም እዩ ዝግባእ እምበር ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ፈቲሑዎም ክበሃል ኣይከኣልን ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ ይዛረብ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መስከረም 2001፡ ነቶም ደሞክራሲያዊ ሰላማዊ ምስግጋር መንግስቲ ክግበር ዝጠለቡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ: መንግስቲ ግን ብሃገራዊ ክሕደት ዝኸሶም 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንጋዜጣታት ብሕቲ 'ንግዚኡ' ብዝተባህለ ኣዋጅ ካብ ስራሕ ደው ድሕሪ ምባሉ ንኣዳለውተን ኣሲሩ ሰዊሩዎም ይርከብ።

እቶም ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ: ፈለማ ንሓጺር እዋን ኣብ እምባትካላ ብድሕሪኡ ን20 ዓመት ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲሮም ከምዘለው እዩ ዝፍለጥ። ክሳብ ልሚ ድማ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ የለን።

ዮናስ ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ምሕረት ተገይሩ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ነቶም በዲሎም ዝበሃሉን ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብጉድለታቶም ዝተኣመኑን ዝተረትዑን እሱራት ኮይኖም ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝበየነሎም ናይ ማእሰርቲ ግዜ ብኣመክሮን ምሕረትን ምስ ዝፈትሕ ጥራሕ እዩ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ ክበሃል ዝከኣል ይብል።

"እንተኾነ ባህርን ጠባይን መራሒና ስለእንፈልጥ ኣብ ሕጋውነቱ ከይተኸራኸርና ንዝኾነ መንግስቲ ዝገብሮ ፍታሕን ምሕረትን ከም ሰናይ ነገር ክንቅበሎ ኣሎና" ብምባል ዝኾነት ጩራ ምሕረትን ሕድገትን ንዕርቀ ሰላም ኣገዳሲ ምዃና ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ብዓል ልደት ምሕረት ብምግባር ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕ ምጽውዓ ብዘይ ምኽንያት'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ እተልዕል ሰላም ብርሃነ: ወዮ ደኣ ቅድሚ ሕጂ እውን ተጸቢናን ረብሪብናን ኢና እምበር፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘይቅየር ነገር ስለዘየሎ ከምቲ ናይ ሰላምን ኵናትን መሻርኽቱ ኣቢይ ኣሕመድ ንፍሉጣት ዓበይቲ እሱራት ፖለቲካን ብምሕረት ዝፈትሐ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ምሕረት ብምግባር ንሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጠምር ፖለቲካዊ ውሳነ ክወስድ ተስፋ ከምዘለዋ ሓቢራ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ እምነታት ክርስትና እስልምናን ንእሱራት ብምሕረት ምፍታሕ ዓቢ ነገር ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝጸንሐ ክቡር ባህሊ ክጥቀመሉ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ምሕረትን ሕድገትን ክወስድ ኣይተራእየን።

ኤምባሲ ኣመሪካ ግን ንፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ነቲ ናይ ሰላም ናይ ኖቬል ሽልማት ተቐቢሉ ከብቅዕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኵናት ክመርሕ ናብ ግንባር ዝወፈረ ኣቢይ ኣሕመድ እውን ተማሕጺኑ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግምት ዮናስ ኣርኣያ ነቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝወሰዶ ናይ ምሕረት ስጉምቲ ብምንኣድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕጺኑ።

ከም ሂዩማን ራይት ዎች፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሺናል፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ዝኣመሰላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ንዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝቐየዶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን ዝግባእ ካሕሳ ክህቦምን ብተደጋገሚ ክጽውዓ ጸኒሐን እየን።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ "ናይ ፖለቲካ እሱራት የብልናን" ብምባል ነቲ ጠለብ ብተደጋገሚ ክነጽጎን "ንኤርትራ ንምስይጣን ብምዕራባውያን ዝግበር ዘሎ ውዲት እዩ" ክብል ምጽንሑን ይፍለጥ።

"ግን እቶም ኩላትና ክፍትሑ እንጽበዮም ዘሎና ገዳይም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ኣሽሓት እሱራትና ናይ ብሓቂ ብህይወት ይህሉው'ዶ ይኾኑ? ዝኾነ ጸገም ኣጋጢሙዎም እንተዘይኮይኑ ኢሳይያስ ክሳብ ክንድኡ ዝጭክነሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን እዩ" ትብል ሰላም።

ምንም ደሃይ ኣብ ዘይስመዓሉ ጽምዋ በረኻታት ኣብ ኮንተይነር ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝተቐየዱ ሰባት እንታይ ዓይነት ሃለዋት ክህልው ይኽእሉ? ክትብል ከኣ ብድሕነቶምን ጥዕነኦምን ዘለዋ ሻቕሎት ትገልጽ።

ይኹን እምበር ከኣ ትብል "ዋላ እውን እቶም ብህይወቶም ዘለው ዝርካቦም ኣቦታት ብምሕረት ይሰመ ብሕድገት ብዝኾነ ቋንቋ ካብ ዘለውዎ ስቓይን ጭንቅን እንተተፈቲሖም መጀመርታ ንስድራቤቶምን ደቆምን ካብኡ ከኣ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ'' ብምባል ከም ትጽቢት ብዙሓት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ንዝህቦ መግለጺ ብተስፋ ከምእትጽበዮ ሓቢራ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እንተደኣ ከምቲ ሓያሎ ትጽቢት ዝገብሩሉ ዘለው ብምሕረትን ሕድገትን ፍታሕ እንተገይሩ እዛ ብስደትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ተሓሚሳ ዘላ ሃገር ብሓባራዊ ምርድዳእን ዕርቀ አሕዋትን ናብ ጎደና ብልጽግናን ፍትሕን ከትስጉም ከምእትኽእል ትገልጽ።

መሻርኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣሳታፊ ሃገራዊ ምምይያጥ ንምዕዋት ንመራሕቲ ህወሓት ነበር ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋ፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ኣቶ ኣባዲ ዘሙ፡ ወ/ሮ ሙሉ ገብረግዚኣብሄርን ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ከምኡ እውን ንኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቦም ኩሎም ምስኡ ዝተኸሱን ንኣቶ እስክንድር ነጋን ምስኡ ዝተኸሱን ሰባት ብምሕረት ፈቲሑ ኣሎ።