ቲፋኒ ሓድሽ 'ሚኒስተር ዕዳጋን ጐስጓስን' ከትከውን ሕቶ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ዘቕረበት ተዛሪባ

ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Tiffany Haddish

ህብብቲ ኮሜድያዊት፡ ተዋሳኢትን ጸሓፊትን ኤርትራዊት-ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ (ኢነቨስትመንት) ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ ገሊጻ።

ንሳ ንመንእሰያት ዕድላት ዝፈጥር ወፍሪ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ሓቢራ።

ንሳ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝተሓትመን ቃለ መሕትት ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ዝቐረበላ ሕቶ "ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ንምውፋር እውጥን ኣለኹ" ክትብል መሊሳ።

ኣብ ኤርትራ ፊልም ናይ ምስራሕ ድለየት ከምዘለዋ'ውን ተዛሪባ።

"ብዛዕባ ቀዳማይ ናይ ኤርትራ ጉዕዞይ ዝተዳለወ ስክሪፕት (ጽሑፍ) ሕጂ ምሳይ ኣሎ፤ እቲ ፊልም ኣብ ኤርትራ ክስራሕ እየ ዝደሊ። ካልእ ቦታታት ከም ኣማራጺ ኣቕሪቦምለይ ኣነ ግና ኣይተቐበልክዎን ኣብዚ [ኣብ ኤርትራ] እየ ዝደሊ" ኢላ።

ነዚ ንምፍጻም ዘድሊ ትሕተቅርጺ ምድላው ከምዘድልያ ዝገለጸት እታ ጸሓፊትን ተዋሳኢትን፡ ኣሜሪካውያን ሰራሕቲ ፊልም ብምምጻእ ስልጠናታት ክወሃብ ምዃኑ'ውን ኣሚታ።

ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ንኣውፈርቲ ምቹእ ሃዋሁ ከምዘይፈጥርን ትካላት እቲ እንኮ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ሰልፊ ህግደፍ ንቁጠባ ኤርትራ ከምበሓትዎን ይግለጽ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ሰብጸጋ፡ ርእሰማሎም ኣብ ከም ደቡብሱዳን፡ ርዋንዳን ኣንጎላን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዘውፍሩ ይፍለጥ።

ቲፋኒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ ኣብ ዝርከብ ገዛ ከረን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትውልዲ ዓዲ ወላዲኣ ጤሳ ዝተወሃበት ኮይና፤ ገለ ነገር ነቲ ዓዲ ክተበርክት ክብሪ ከም ዝስምዓ ገሊጻ።

ኣብ 2019 ኤርትራዊ ዜግነት ዝተወሃባ ቲፋኒ መሬት ጤሳ ከምዝተወሃበት ዝገልጽ ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብዙሓት እቲ ኣሰራርሓ ግሉጽነት ከም ዝጎድሎ ብምግላጽ ንዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡን ግቡኦም ዝፈጸሙን ዜጋታት ኣብ ዓድታቶም ጤሳ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ ይሙግቱ።

ርክብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ቲፋኒ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተራኸበትሉ ንብዙሕ ሕቶታት ምላሽ ከም ዝረኸበት ተዛሪባ።

ኣብ ርክቦም ነቲ ፕረዚደንት ሚኒስተር ዕዳጋን ጐስጓስን ኮይና ክተገልግል ከም እትደሊ ከም ዝነገረቶን ከምዝኣበያን'ውን ገሊጻ።

"ብድሕሪኡ እሞ ሚኒስተር ምንቅቓሕ እንተኾንኩ'ኸ ኢለዮ። ክኸውን ከምዝኽእል ብንጹር ኣይመለሰለይን፡ ኣብ ኣእምሮይ ግና... ከምኡ ኮይነ ኣለኹ" ኢላ።

ቲፋኒ ሓድሽ

ምንጪ ስእሊ, yemane gebremeskel/twitter

መግለጺ ስእሊ, ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ ካርኒቫል በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣስመራ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ" ከምዝተዘራረበት ሓቢራ ነይራ።

ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ "መንእሰያት ብዙሕ ዝጽበይዎ ነገር ኣሎ" ክትብል ድሕሪ ምጽሓፍ "ሓቀኛ ሃብቲ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ'ዮም" ድማ ኢላ ነይራ።

ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ተራ ፍልጥቲ እያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።

ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ምውሳእ ከም ዘለዋ ዝግለጽ ቲፋኒ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እያ ህቡብነት ክተጥሪ ዝኸኣለት።