ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ 'ዘይፍትሓዊ' ወሳነታት ከብቅዕ መንግስቲ ኤርትራ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኤርትራ ንፖሊሲ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ብምንቃፍ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ከብቅዕ ጸዊዓ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ መንግስቱ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ምትእትታው "ናይ ርእሰ-ምክልኻል" ግብረመልሲ'ዩ ክብል መጒቱ።
ንኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ህወሓት ምዃኑን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ "ወተሃደራዊ ወራር ክፍጽም ዕላማ ነይርዎ" ክብል ከሲሱ።
ኤርትራ ሓይልታታ ኣብቲ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ድማ ቅትለትን ዕንወትን ዝርከብዎ ምግሃስ ሳባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ።
ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን'ውን ብተመሳሳሊ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኽሰሱ'ዮም።
ነቲ ጸብጻባት ምግሃስ መሰላት ንምጽራይ ብኣመሪካ፡ ከምኡ'ውን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን መርመራታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ክጽውዑ ዝጸንሑ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላትን መራሕትን ጸጥታ እገዳ ምንባሮም ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ እገዳ ቅድሚ ምግባራ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ማዕቀብ ኣንቢሩ ነይሩ።
በዚ ባህ ዘይበላ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ "ዘይፍትሓውነት" ደው ክብል ጸዊዓ'ላ። መሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ህወሓትን'ውን ተመሳሳሊ እገዳታት ምግባራ ይዝከር።
ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ይዓቢ ምህላዉ'ውን ኣብ መደርኡ ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን እቲ ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ወጥሪ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ቀንዲ ምንጭታት ዘይምርግጋእ ምዃኖም ሚኒስተር ዑስማን ጠቒሱ።
ሚኒስተር ዑስማን እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መደርኡ'ውን ብማንዛ'ዩ ኣቕሪብዎ።
መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ መራሕቲ ዓለም መግለጺታቶም ዝህብሉ ዓመታዊ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘይሳተፍ ዓመታት ኣቚጺሩ'ዩ።
እዚ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ትሕቲ ደበና ለበዳ ኮቪድ-19 ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ መበል 76 እዩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







