ኤርትራ፡ መዓልቲ መንእሰያት - እንታይ ንምግባር?

ምንጪ ስእሊ, MAHEDER HAILESELASSIE TADESE
ንዘበናት ብዛዕባ መንእሰይ ብዙሕ ተባሂሉ'ዩ። ኣብ መብዛሕተኡ ሕብረተሰብ፤ መንእሰይ፡ ብቑጽሪ እቲ ዝበዝሐ፡ ብዓቕሚ እቲ ዝሓሸ፡ ብጉልበት እቲ ዝጠንከረ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። ብዝሑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዕድሜኡ ጸዓት እዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓዲሽ ሓይሊ ሓዲሽ ደም፡ ሓዲሽ ሓሳብ ዝበሃል።
ስለዝኾነ ክሊ ዕድመኡ ፍሉይ ሓላፍነት የሰክሞ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ናይ ለውጢን ምዕባለን ሓይሊ - ዲናሞን ሞተርን ሕብረተሰብ ዝበሃል። ልዕሊ ኹሉ ግን መንእሰይ ተስፋ እዩ። ተስፋ ቐጻልነት ተስፋ ህላዌ ተስፋ መጻኢ ይብል ዶክተር ተስፍኣለም ተኽለ ብዛዕባ ኣህጉራዊ መኣልቲ መንእሰያት 12 ነሓስ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ዕላል።
ኣብ 1965 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብውሳነ 2037 (XX) ኣብ አህዛብ ዓለም ሰላምን ርግኣትን ክረጋገጽ፡ ሓድሕዳዊ ክብርን ምትሕግጋዝን ክምዕብል መንእሰያት ተራኦም ንክጻወቱ ከተባባዕ ወሲኑ።
ካብ 1965 ክሳብ 1975 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንእሰያት ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ንምብርባር ሰሪሑ። ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ከኣ ኣብ መንእሰያታ ቆላሕታ ብምግባር ክትነጣጠፍ ተማሕጺኑ።
እዚ ታሪኻዊ እዋን'ዚ መንእሰያት ኤርትራ ብዓመጽ ንዝተጋህሰ መሰሎም ንምምላስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉሉ ዝነበሩ እዋናት ምዃኑን፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ከኣ ሕብረ ብሄራዊ መሰላቶም ዝተነፍጉ መንእሰያት ኢትዮጵያ እምቢ ንርግጸት ዘውድን ደርግን ብምባል ቃልሲ ዝኣወጅሉ እዋን ምንባሩን ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከምእተዓወቱን ይነግር ዶክተር።
ኣብዚ እዋን'ዚኸ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከቡ ኣለው።
ታሪኽ ዓለምና ታሪኽ መንእሰያት እዩ። ነብሲ ወከፍ ሃገር ኣብ መንእሰያታ እያ ትምርኮስ። መንእሰያታ እዮም ዝሃንጹዋን ዝሕልውዋን። ኣብ ሕሰማን ጸገማን ቅድሚት ዝስርዑ፡ ኣብ ራህዋኣን ጸጋኣን መገዲ ዘቕንዑ ንሳቶም እዮም ዝበሃል ሓፈሻዊ ዘረባን ብህሎን ከምዘሎ ዝሕብር ዶክተር ተስፍኣለም፡ መንእሰያት ነቲ ዘለውዎ ሃለዋት ባዕላቶም ክዛረብሉ ዝሓሸ ምዃኑ ይሕብር።
መንእሰይ ሰናይ ፍስሃየ ንሃለዋት ኤርትራውያን ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣዚ ኣብ ፈቐድኡ ኩርናዕ ዓለም ብሕሰም ተዘርዩ ዘሎ መንእሰይ መርኣያ ሃለዋት ኤርትራ እዩ። ኣህጉራዊ ቴማ ለብዘበን ብቑዕን ውሑስን ትምህርቲ ንመንእሰይ ዝብል እዩ። ግን 'መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ኣበይ ኣሎ?' ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ክምለስ ይከኣል እዩ" ክብል ርእይቶኡ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, SENAI FESEHAYE
ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ንኽልተ ዓመታት ዝኸርተተ ኣማን ሙሉጌታ ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ መንእሰይ፡ " መርኣያ መንእሰያት ኤርትራ ኣነን ዝኸማይን ኢና። ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዳርጋ ወርሓዊ ሰብ እናቐበርና ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ጨኒና። መንግስትና ኮነ እዚ ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያት " ትምህርቲ ንኹሉ ብዝብል ቴማ ክበዓል ዝኣመመ ሕቡራት ሃገራት እውን ደሃይና ኣይገበሩን" ብምባል ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ኣደራዕ ብምዝርዛር፡ " ዝሓይሽ ደኣ የምጽኣልና እምበር ንሕናስ ኣብ ስቓይ ኢና ዘሎና" ይብል።
ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መረዳድኢ ቅዱስ ሓሳብን መርሓን እዩ ዝሕንጽጽ እምበር ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘሎ ጸገማት ክፈትሕ ዓቕምን ክእለትን የብሉን። ግን ንኹሉ ዘጋጥም ጸገማት እናልዓለ፡ ተዛትዩን ተላዚቡን እቲ ሽግር ብሕቡር ቅልጽም ንኽፍታሕ እማመ'ዩ ዘቕርብ።
እዚ ለብዘበን ዝበዓል ዘሎ ኣህጉራዊ ዕለት እውን ድሕሪ ክንደይ ጻዕርን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዝመጽአ ምዃኑ መንእሰይ ሱሳታት መሓሪ ደስበለ ይገልጽ።
ኣብ 1985 እቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ርሑቅ ገጠራትን ከተማታትን ዝነብራ ደቀንስትዮን ኣካለ ጉድኣን መንእሰያት ኣቓልቦ ክግበረሎም ጎስጓስ ክካየድ ኣሚሙ።
ኣብ ታሕሳስ 1999 ከኣ 12 ነሓሰ ከም መዓልቲ መንእሰያት ክትክበር ወሲኑ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝተፈለላየ ቴማታት ብምልዓል ንመንግስታት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን መራሕቲ ኮምን ብምጉስጓስ ክስራሕ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, YOWHANNES UKUBU
መንእሰይ ዮውሃንስ ዑቕቡ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብዛዕባ እዛ ዓለማዊት ዕለት ምንም መረዳእታ ከምዘይጸንሖ እዩ ዝዛረብ።
እዛ ዕለት ኣብ 2009 ብዓለም ደረጃ ክትበዓል ክውሰን እንከሎ፡ እቲ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ መላእ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ግንባራት ኵናት እታ ሃገር ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ተጸሚዱ ነይሩ። ደሃይ ዓለማዊ በዓልን ዝኽርን እውን ሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ከኣ እዩ ዝዛረብ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለምና ካብ 10-24 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 1.8 ቢልዮን ቖልዑን መንእሰያትን ኣለው። እዚ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ መንእሰያት እዩ። ይኹን እምበር ፍርቂ እቶም ካብ ደቂ 6-14 ዓመት ዝዕድመኦም ቖልዑ መባእታዊ ትምህርቲ ተነፊጎም፡ ምንባብን ምጽሓፍን፡ ከምኡ እውን መባእታዊ ቀመር ሕሳብን ስለዘይክእሉ ንመባእታዊ ዕቤት ሕብረተሰብ ዓለምና ብደሆ ኮይኑዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ናይ ለብዘበን ቴማ ከኣ፡ "ጽሩይን ምዕሩይን ስርዓተ ትምህርቲ ንኹሉ" ብዝብል ቴማ፡ ስርዓት ትምህርቲ ብጽሬቱን ዝርገሐኡን ንክመሓየሽ ብምጥላብ እያ ትብዓል ዘላ።
"ቀዳሞት ኣበዋት፡ ጥቕምን ኣገዳስነት ትምህርቲ ምስ ፈለጡ፡ "ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን" ክብሉ መሲሎም። ኣብ ሓደ እዋን ግን መለኽቲ ስርዓታት 'ምሁር ሓደገኛ 'ዩ - ምሁር ተበላጺ' እዩ ብዝብል ኣንጻር ምሁራት ብዝጉስጉስ ጭርሒ ተኪኦምዎ" ብምባል፡ ኣብ ዓለምና ብምልኪ ዘመሓድሩ ስርዓታት ክሳብ ዘለው ትምህርትን ምሁራትን ዕንቅፋት ከጋጥሞም ባህሪያዊ እዩ ክብል ውልቃዊ ተመኩሮኡ የካፍል ዶክተር።
መንእሰይ ኣማን ሙሉጌታ ከኣ ኣብ ጽንኩር ሃለዋት እናነበረ፡ "ዘይሓልፍ ጸገምን መከራን ስለዘየለ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ተቓለስቲ ኣያታቶምን ኣበዋቶምን ሓድነቶም ኣትሪሮም መከራ ሓድሕዶም ተኻፊሎም ክሰርሑን ነዚ ግዝያዊ ጸገም ክስግሩዎን" ይላቦ።
እዛ ዕለት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን መንእሰያት፡ ንዓለምና ገጢሙዋ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክዋስኡን ኣብ ለውጥን ምዕባለን ክሳተፉን መዓልቲ ትንሳአ መንእሰያት ኮይና ክትበዓል ካብ ዝውሰን እነሆ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







