ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣምባሳደር ቻይና ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጡ

ኣምባሳደር ካይ ገ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ኮነ ምፍርራሕ እገዳ ከምእትቃወም ኣምባሳደር'ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኣምባሳደር ካይ ገ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፉ፡ ንጸገማት ኤርትራ ከምዝርዳእን ንዝመዝገበቶ ገስጋስ ቻይና ከምእተድንቖን ጠቒሱ።

ንሱ፡ ብኣጋጣሚ መበል 72 ዓመት ምምስራት ብዴሳዊ ሰልፊ እትምራሕ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ዝጸሓፎ ነዊሕ ትንተና፡ ሃገሩ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንካልኦት ሃገራት ከምዘወፈየት ሓቢሩ። እቲ ንልዕሊ 100 ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝወሃብ ክታበታት ናብ 2 ቢልዮን ክብ ከተብሎ'ያ ድማ ኢሉ።

ቻይና፡ ካብተን ምስ ኤርትራ ደሓን ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘለዋ ሃገራት'ያ። ኣብ ህንጻ: ትምህርቲ፡ ጥዕናን ባህልን ምድግጋፍ ከምእትገብር ድማ ይግለጽ።

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ብመሪሕነት ማኦ ዘዶንግ ብ1 ጥቅምቲ 1949 ከምዝተመስረተት ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበርን ጋዜጠኛታትን፡ ኩሎም ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ክፈትሕ ይጽውዑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ፈይስቡክ ብቐጻሊ መግለጺታት ዘውጽእ ዘሎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ናጽነት ፕረስ ኣብታ ሃገር ክፍቀድ ንሰብመዚ ክምሕጸን ይስማዕ።

ወኪል ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ስቲቭ ዎከር፡ ነቲ ብዛዕባ ፓሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ትግራይን እቲ ዞባን ኣመልኪቱ ኣብታ ብቋንቋ እንግሊዝ እትሕተም መንግስታዊት ጋዜጣ 'ኤርትራ ፕሮፋይል' ዝወጸ ዛንታ ግብረመልሲ ንምሃብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ኣብታ ጋዜጣ ብዘይምውጽኡ'ውን ነቒፉ ነይሩ።

ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቅፍ ጽሑፋት ምውጽኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮነይኑ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣመሪካ፡ ምስ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ እገዳ ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር። ተወሳኺ እገዳታት ክትገብር ከምእትኽል'ውን ከተጠንቅቕ ጸኒሓ'ላ።

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኣሊስተር ዎከር ብወገኑ፡ እቶም ቅድሚ 20 ዓመት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት "ክፍትሑ መንግስቲ ብሪጣንያ ጻውዒቱ ምቕራቡ ይቕጽል ኣሎ" ክብል ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።