ኤርትራ 134 ኪሜ ዝንውሓቱ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክትሃንጽ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኤርትራ 134 ኬሜ ዝንውሓቱ ሓድሽ ጽርግያ ክትሃንጽ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ።
እቲ በዓል ክልተ-መስመር ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ተበጊሱ፡ ብሓበላ ኣቢሉ ብምሕላፍ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ኣቑርደት ዝኣቱ ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
ቀዳማይ ገጽ ምስራሕ ናይቲ ናይ ቅጥራን (ካርታመ) ጽርጊያ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብወግዒ ተበጊሱ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ጸርጊያ፡ ካብ ሓበላ ክሳብ ጭዔታት ዝዝርጋሕ 30 ኪሜ ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ብቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) ከም ዝህነጽ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ንምጅማርን እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ መሪቖም ከፊቶሞ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
እዚ ካብ ሓበላ ክሳብ ጭዔታት ዝዝርጋሕ 30 ኪሜ ጽርጊያ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ሕድገታዊ ልቓሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ።
ብምሉኡ እቲ መስመር ይኹን እቲ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክውዳእ ተባሂሉ ዘሎ ፕሮጅከት ክንደይ ዝወድእ ከም ዝኾነ ግን ዛጊት ኣይተገልጸን።
ካብ ከተማ ኣስመራ ተበጊሱ ብከተማ ከረን ኣቢሉ ናብ ኣቑርደትን፡ ዶብ ሱዳንን ዝኣቱ ቀንዲን ናይ ቀደምን መስመር፡ ጸቢብን ብጎቦታት ዝሓልፍን ብምዃኑን፡ ሓደጋታት ስለዘስዕብን እቲ ሓድሽ መስመር ክህነጽ ከም ዝተደልየ ይግለጽ።
ነቲ ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ናብ ኣቑርደት ዝኸይድ ድማ ብ20 ኪሜ ከጉድሎ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
በዚ ምኽንያት ቁጠባዊ ኣገዳስነቱ ልዑል ከም ዝኾነ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ገሊጹ ክብላ እተን ማዓከናት ዜና ጸብጺበን።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
እዚ ንከተማታት፡ ዓዲ-ተኽለዛን፡ ዒላ-በርዕድ፡ ከረንን ሓጋዝን ጎስዩ ዝሓልፍ ሓድሽ መስመር፡ ብዘይካ ንእሽቶ ከተማ መንሱራ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘለወን ከተማታት የለዋን።
እቲ ዝበሃል ዘሎ ቁጠባዊ ረብሓታት ብመንጽር እቲ ኣብቲ ናይ ቀደም መስመር ዝስዕብ ክሳራ ተራእዩ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ብንጹር ኣይተገልጸን።
ኩባንያታት ህንጻ ቻይና፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጅክታት ክሳተፋ ምንጽንሐን ይፍለጥ።
ካብ ምስራሕ ፋብሪካ መድሃኒት ከረን ጀሚርካ፡ ክሳብ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝርከብ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና፡ ከምኡ'ውን ህንጸት ኮሌጃት ክሳተፋ ጸኒሐን'የን።
ኣብ ዕደና'ውን፡ ኩባንያታት ቻይና ሰፊሕ ተሳታፍነት ከም ዘለወን ጸብጻባት የረድኡ።
ቻይናውያን ኩባንያታት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርኦ፡ ንታሕተዋይ ስራሕ ከይተረፈ ባዕሎም ይሕዝዎ'ዮም፡ ክእለት ኣየመሓላልፉን'ዮም ዝብል ክስታት ይቐርበሎም'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብዚ ፕሮጀክት ክንደይ ዓቕሚ ሰብ ከሳትፉ'ዮም ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ኤርትራ መንእሰያታ ኣብ ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ኣልቦ-ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘዋፈረት ምስ ምዃና፡ ኣብዚ ፕሮጀክት'ዚ ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑሉ ዘኽእል ዕድል ጸቢብ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።
እቲ ንዞባታታት ማእከልን ጋሽባርካን ብቐጥታ ዘራኽብ መስመር ንጽርጊያታት እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝወስድ ምዃኑ ኢንጅነር ሳምሶም ተስፋይ ንኤሪቲቪ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







