ኤርትራ 134 ኪሜ ዝንውሓቱ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክትሃንጽ'ያ

ንስራሕ ዝተዳለዋ ዶዘራት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ኤርትራ 134 ኬሜ ዝንውሓቱ ሓድሽ ጽርግያ ክትሃንጽ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ።

እቲ በዓል ክልተ-መስመር ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ተበጊሱ፡ ብሓበላ ኣቢሉ ብምሕላፍ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ኣቑርደት ዝኣቱ ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

ቀዳማይ ገጽ ምስራሕ ናይቲ ናይ ቅጥራን (ካርታመ) ጽርጊያ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብወግዒ ተበጊሱ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ጸርጊያ፡ ካብ ሓበላ ክሳብ ጭዔታት ዝዝርጋሕ 30 ኪሜ ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ብቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) ከም ዝህነጽ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ንምጅማርን እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ መሪቖም ከፊቶሞ።

ሰበስልጣን ኤርትራን ቻይናን ንፕሮጅክት ሓበላ-ጭዔታት መሪቖም እናኸፈቱ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

እዚ ካብ ሓበላ ክሳብ ጭዔታት ዝዝርጋሕ 30 ኪሜ ጽርጊያ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ሕድገታዊ ልቓሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ።

ብምሉኡ እቲ መስመር ይኹን እቲ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክውዳእ ተባሂሉ ዘሎ ፕሮጅከት ክንደይ ዝወድእ ከም ዝኾነ ግን ዛጊት ኣይተገልጸን።

ካብ ከተማ ኣስመራ ተበጊሱ ብከተማ ከረን ኣቢሉ ናብ ኣቑርደትን፡ ዶብ ሱዳንን ዝኣቱ ቀንዲን ናይ ቀደምን መስመር፡ ጸቢብን ብጎቦታት ዝሓልፍን ብምዃኑን፡ ሓደጋታት ስለዘስዕብን እቲ ሓድሽ መስመር ክህነጽ ከም ዝተደልየ ይግለጽ።

ነቲ ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ናብ ኣቑርደት ዝኸይድ ድማ ብ20 ኪሜ ከጉድሎ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

በዚ ምኽንያት ቁጠባዊ ኣገዳስነቱ ልዑል ከም ዝኾነ ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ገሊጹ ክብላ እተን ማዓከናት ዜና ጸብጺበን።

ንስራሕ ድሉው ዝኾነ ሑጻን ጀያን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

እዚ ንከተማታት፡ ዓዲ-ተኽለዛን፡ ዒላ-በርዕድ፡ ከረንን ሓጋዝን ጎስዩ ዝሓልፍ ሓድሽ መስመር፡ ብዘይካ ንእሽቶ ከተማ መንሱራ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘለወን ከተማታት የለዋን።

እቲ ዝበሃል ዘሎ ቁጠባዊ ረብሓታት ብመንጽር እቲ ኣብቲ ናይ ቀደም መስመር ዝስዕብ ክሳራ ተራእዩ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ብንጹር ኣይተገልጸን።

ኩባንያታት ህንጻ ቻይና፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጅክታት ክሳተፋ ምንጽንሐን ይፍለጥ።

ካብ ምስራሕ ፋብሪካ መድሃኒት ከረን ጀሚርካ፡ ክሳብ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝርከብ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና፡ ከምኡ'ውን ህንጸት ኮሌጃት ክሳተፋ ጸኒሐን'የን።

ኣብ ዕደና'ውን፡ ኩባንያታት ቻይና ሰፊሕ ተሳታፍነት ከም ዘለወን ጸብጻባት የረድኡ።

ቻይናውያን ኩባንያታት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርኦ፡ ንታሕተዋይ ስራሕ ከይተረፈ ባዕሎም ይሕዝዎ'ዮም፡ ክእለት ኣየመሓላልፉን'ዮም ዝብል ክስታት ይቐርበሎም'ዩ።

ሰራሕተኛታት ህንጻ ቻይና ኣብ ጽምብል ምጅማር ፐሮጀክት ጽርግያ ሓበላ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ኣብዚ ፕሮጀክት ክንደይ ዓቕሚ ሰብ ከሳትፉ'ዮም ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ኤርትራ መንእሰያታ ኣብ ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ኣልቦ-ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘዋፈረት ምስ ምዃና፡ ኣብዚ ፕሮጀክት'ዚ ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑሉ ዘኽእል ዕድል ጸቢብ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

እቲ ንዞባታታት ማእከልን ጋሽባርካን ብቐጥታ ዘራኽብ መስመር ንጽርጊያታት እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝወስድ ምዃኑ ኢንጅነር ሳምሶም ተስፋይ ንኤሪቲቪ ተዛሪቡ።