ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ሆላንድን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ 'ዘይሕጋዊ' ክፍሊት ገንዘብ

ምንጪ ስእሊ, Dutch FA Ministry/Mary Harper
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከተማ ሄግ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ስጉምቲ ብምውሳድ ንሓላፊ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ዘገልግል ሰብ ከም ዝኣገዶ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ስጉምቲ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ንኤርትራውያን "ብዘይሕጋዊ" ኣገባብ ገንዘብ የኽፍል ኣሎ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ተወሲዱ።
እቲ ዝተኣገደ ሓላፊ ከም ሰራሕተኛ እምበር ወግዓዊ ወኪል ወይ ዲፕሎማት ከምዘይኮነ ምንጭታት ቢቢሲ ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ ብምጽዋዕ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከቲ ተግባር ደው ከብሎ ከምዝኣዘዞ 'ኤን-ኦ-ኤስ' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ትማሊ ረቡዕ ብትዊትር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ሚኒስትሪ ጉዳያት ነቲ ቤት ጽሕፈት "የሰራጥዮ ኣሎ" ብምባል ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ።
"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብዚ ዝመጽእ መዓልታት፡ ንሓድሽ ዘዋሪ ኣምባሳደር ሆላንድ [ኣብ ኤርትራ]፡ ብምጽዋዕ፡ ኤርትራ ነቲ ተደጋጋሚን ዘይቅቡልን ስጉምቲ ዘለዋ ተሪር ተቓውሞ ክገልጽ'ዩ" ክብሊ እቲ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ሆላንድ፡ ካብ ኤርትራ ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘየለ ምንጭታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሮም ኣለዉ።
መበገሲ ናይቲ ምስሕሓብ እንታይ'ዩ?
ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገንዘብ ከዋጽኡ ተሓቲቶም።
እቲ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ድማ ካብዚ ተበጊሱ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ገንዘብ ክኸፍሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ይብሉ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን።
ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሎ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝኸፈሉ ልሒኹ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ገለ ሰባት ተገዲዶም ከም ዝኸፈሉ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, ሃብቶም ዮውሃንስ
ገለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 155 000 ዩሮ ከምዝተዋጸአን፡ ገለ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ዘለዉ ከይተረፉ ክኸፍሉ ተገዲዶም ዝብል ጸብጻብ ንፖርላማ ከምዝቐረበ ኣቶ ሃብቶም ሓቢሩ።
ፖርላማ እታ ሃገር ድማ፡ እቲ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ንዘዋሪ ኣምባሳደር ኤርትራ ብምጽዋዕ ተቓውምኡ ገሊጹ። እቲ ክፍሊት ደው ክብልን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሄግ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ብሓላፍነት ዝሰርሕ ውልቀሰብ ካብ ስርሑ ደው ክብል ከምዝኣዘዘ'ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ "ዝተሰነዐ ክሲ'ዩ" ብምባል ነቲ ብሆላንድ ዝተወስደ ስጉምቲ ነቲ ቤት ጽሕፈት "ንምስርጣይ" ዝዓለመ'ዩ ክብል ተቓዊምዎ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ዝነበረ ቆንስል ኤርትራ ብክፍሊት 2 ሚእታዊት ብዝተሓሓዝ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተገደደ ይዝከር።
ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኤምባሲ ብኣስገዳድ ንኤርትራውያን ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ 2 ሚኢታዊት ኣታዊታቶም ክኸፍሉ ብምግባሩ'ዩ።
እቲ ኤምባሲ "ምፍርራሕን ምስግዳድን" ብዝተሓወሶ መገዲ "ዳያስፖራ ግብሪ" ክኸፍሉ ብምቕሳቡን፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ንጥፈታት ደው ከብሎ ከም ዝተነግሮን እቲ መግለጺ ወሲኹ የረድእ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ መንግስቲ ሆላንድ፡ ነዚ ዘይልሙድ ውሳኔ ክወስድ ከም ዝተገደደ'ዩ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ሆላንድ ዝነብር ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ ከምዝብሎ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ "ብምስግዳድ" ዝሕተት ክፍሊት'ዩ።
"ገለ ሰባት ካብ ክቱር ስምዒት፡ ተታኣኪቦም ገዛ ገዛ እናኸዱ፡ ሰባት ኣኽፊሎም'ዮም፡ እንድሕር ዘይከፈልካ፡ ሽምካን ሽም ወለድኻን ናብ ቆንስል ኤርትራ ክንወስዶ ኢና ዝተባህሉ ኣለዉ፡ ብኣካል ዝፈልጦም።"
"ብወግዓዊ ዘይኮ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ'ዩ ዝፍጸም" ስለዝኾነ ኸኣ ብጭብጢ ክረጋገጽ ከቢድ ስለዝኾነ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር እቶም ግዳያት ክተሓባበሩ የተባብዑ ኣለዉ ኢሉ።
ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ኤርትራን ሃገራት ኣውሮጳን

ምንጪ ስእሊ, ©EU/Belga/SCANPIX/KALLE AHLS
ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ከም ሆላንድን ጀርመንን ዝበላ ሃገራትን ዘሎ ዝምድና "እናሓርፈፈ ይኸይድ ዘሎ ይመስል" ይብል ኣቶ ሃብቶም። እቲ ምፍሕፋሕ ድሕሪ ማእሰርቲ ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታት ብሕትን ኣብ 2001 ከምዝጀመረ'ውን ይጠቅስ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ'ውን፡ ፓርላማ ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዝስወሩ ዝገበሮም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕ ምጽውዑ ንኤርትራ ኣቖጢዕዋ ነይሩ።
እቲ ፓርላማ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከፈትሖን ሃለዋቱ ንስዊድን ከፍልጥን፡ ንኩነታት ጥዕንኡ ውሕስነት ክህብን ጠሊቡ።
ነቶም ካልኦት ምስኡ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ኣባላት ጉጅለ-15ን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ከፈትሖም ምጽውዑ ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ከምዘይበሎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ጉልባብ ብምግባር ገለ ሃገራት ኣውሮጳ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምክያድ ወጥን ከምዘለወን ከሲሱ።
ዳዊት፡ ምስ ገለ ንጸጥታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ዝበሎም ውልቀሰባት ብምትሕብባሩ ከምዝተኣስረ'ውን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ ዳዊት ኮነ እቶም ካልኦት ናይ ሕልና እሱራት ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡን፡ ኣበይ ከምዘለዉን ሃለዋቶምን'ውን ብወግዒ ኣይፍለጥን።
ኤርትራ ምስ ጀርመን'ውን ምስ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ኣይተቛደወትን።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ኣቶ ሃብቶም ከምዝብሎ ግን፡ ዋላ'ኳ ሃገራት ኣውሮጳ ይኹን ሕብረት ኣውሮጳ "ሓገዝ እናሃባ ከቃባጥራ" እንተፈተና፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን "ከበር" ኣይገበረሉን።
"ነቲ ዝወሃብ ሓገዝ'ውን እንተደሊኹም ትህቡ እንተደሊኹም ከኣ ሒዝኩሞ ጥፍኡ" ዝብል ግብረመልሲ'ዩ ዝህብ ይብል።
"ብፍላይ ኣባላት ፓርላማን፡ ዝተፈላለዩ ትካላትን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ቶም እሱራት፡ ብዛዕባ ደሞክራሲ፡ መሰል ወዲ ሰብ ከኽብር ኣለዎ ዝብል ተቓውሞታት እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ።"
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ተሰዊሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዝተሓሓዝ ኣብ ስዊድ ክሲ ተመስሪትሉ ኣሎ።
እቲ ናይ 'ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት' ክሲ፡ ብዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል'ዩ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ-ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናት ስዊድን ቀሪቡ ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







