ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሲ መስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝምውሎ ዘሎ ናይ 80 ሚልዮን ዩሮ ፕሮጀክት ጽርጊያ ደው ከብሎ ብምጥላብ: ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ክሲ መስሪቱ።
ኣብ ኣምስተርዳም ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን፡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝምውሎ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገደዶም ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጽ።
ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ 20 ሚልዮን ዩሮ ንመስርሒ ጽርጊያ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝሕግዝ ምስ ገለጸ፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ክርእዮ መጸዋዕታ ኣቕሪብና ነይርና" ኢሉ።
እንተኾነ ግን እቲ ሕብረት ነቲ ጥርዓን "ዕሽሽ ብምባል" ኣብ መዛዘሚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብምግባሩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ከምዝተገደዱ ኣቶ ሙሉብርሃን ተዛሪቡ።


ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካል ሰብዓዊ መሰላት ንኤርትራውያን ጥርዓኑ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኣቕረበ: ኣፈኛ ናይቲ ሕብረት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ሕብረት ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይድግፍን፡ ኩሎም ፓሊሲታቱ ሰባዊ መሰላት ማእከል ዝገበሩ ምዃኖምን እዩ ገሊጹ።
"እቶም ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ሰባት ብዝግባእ ይኽፈሉ ምህላዎምን ግቡእ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ምህላዉን ንምርግጋጽ፡ እቲ ፕሮጀክት ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበረሉ እዩ" ድማ ኢሉ።
ኣቶ ሙሉብርሃን ግና፡ እቲ ሕብረት ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ስራሕ ዝዋፈሩ ዘለው ሰባት "ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ" ተረዲእና ኣሎና ይብል።
ወሲኹ'ውን "ኣብቲ ዝሃበና ምላሽ ኣብ ዕድጊ ናይ ማሽነሪታት እምበር ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ክፍሊት ዝኾነ ሓላፍነት ከም ዘይብሉ እዩ ገሊጹልና" ድሕሪ ምባል እቲ ሕብረት፡ እቲ ገንዘብ ኣበይ ይውዕል ኣሎ'ውን ዝቆጻጸረሉ መገዲ ከም ዘየለ ይሕብር።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብኢመይል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ክሲ፡ ኣካል ንኤርትራ "ንምስይጣን ናይ ዝካየድ ወፍሪ" ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
"እቲ ክሲ ካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ናይ ምምጻእ ኣጀንዳ ዘለዎ ብቐንዱ ብወጻእተኛታት ዝቖመ፡ ንእሽቶ ጉጅለ ዝተበገሰ እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, ማርቲን ፕላውት
እቲ ሓገዝ ደው ምባሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ድዩ?
እዚ ፕሮጀክት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዲ ዘደንፍዕን ንዕብየት ክልቲኡ ህዝብታት ሓጋዚ ምዃኑን ኣውሮጳዊ ሕብረት ይገልጽ። በዚ ድማ ነዚ ሓገዝ ምቅዋም ንልምዓትን ምዕባለን ኤርትራን ህዝባን ምጽራር ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለው።
ኣቶ ሙሉጌታ ነዚ ክምልስ ከሎ ነታ ሃገር ምምዕባል ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓላፍነትን ግቡእን እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ህዝቢ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናተባህለ ኣብ ዘይድልየቱ፡ ኣብ ዘይሞይኡ ይሳቐይ ምህላው ገሊጹ።
"ሃገራዊ ኣገልግሎት እናበልካ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ኣብ ዘይውዳእ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጽምዶን ተሸኺሎም ዘለው ዓበይትን ንኣሽቱን ኤርትራውያን ዜጋታት ከመይ ገይሮም ንቡር ህይወት፡ ስድራቤታዊ ጥርናፈ፡ ዝረክቡሉ መገዲ ክርከብ፤ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከኣ ኣብኡ ኣተኲሩ ክጽመድን ክሕግዝን ኢና እንደልይ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Fitsum Arega
ብመሰረት ሓበሬታ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓፈሻዊ ዕላማ ናይቲ ፕሮግራም: መትኒ ዝኾኑ ጽርግያታት እታ ሃገር ብምሕዳስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እታ ሃገርን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን ቁጠባዊ ውህደትን ንምድንፋዕ ኢዩ።
ድሕር'ቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ እቲ ዋና ትኹረት ኢትዮጵያ ናብ ወደባት ኤርትራ መገዲ ንኽትረክብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።
እዚ ፕሮጀክት ናይ ክልትኤን ሃገራት ቁጠባ ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት። ምኽፋት ወደባት ኤርትራ ንንጥፈታት ንግዲ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ብቕልጡፍ ዝጅምረሉ መገዲ እናተሰርሓሉ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ መገዲ ለንደን ዝመደበሩ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኤሪትሪያ ፎከስ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ፕሮጀክት ጽርግያ ብምሕጋዙ ክሲ ከም ዝመስረተ ትማሊ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተመዊሉ ንኽስራሕ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ጽርግያት፡
- ቀዳማይ ጽርግያ፡ ነፋሲት- ደቀምሓረ- ሰንዓፈ- ዛላምበሳ፦ እዚ ናብ ትግራይ ዓዲግራትን መቐለን ዝወስድ ዋና መሰመር እዩ። ምጽጋን እዚ መስመር መኻይን ኣስመራ ከይኣተዋ ንኣጻድፍ ዓርበረቡዕ ጎሰየን ከም ዝሓልፋ ይገብር።
- ካልኣይ ጽርግያ፡ ደቀኣምሐረ- ተራእምኒ- መንደፈራ- ዓዲ ዃላ፦ ብዓድዋ ኣቢሉ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣቱ ቅልጡፍ መገዲ ኢዩ።
- ሳልሳይ ጽርግያ፡ መንደፈራ - ባረንቱ፦ ምስ መስመር ተሰነይ ብምሕዋስ ናብ ዶብ ሱዳን ከሰላ ከምኡ'ውን ብሑመራ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ። ኣብዚ እቲ ኣተኩሮ ዝዋሃቦ መስመር ተሰነይ ሑመራ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







