ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዊድን ክሲ ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ቀሪብዎ

ምንጪ ስእሊ, MOI ERITREA
ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ክሲ ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ኣቕሪቡሎም።
እቲ ክሲ ኣብ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ-ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናት ስዊድን እዩ ቐሪቡ ዘሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቶም ካልኦት ሰብ መዚን፡ ንኤርትራዊ-ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሃለዋቱ ከየፍለጡ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣሲሮምዎ ብምህላዎም ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ እዩ ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ክሲ ኣቕሪቡሎም።
ኣብ ልዕሊ እዞም ሰበስልጣን፡ ኣገዳሲ ገበናዊ ምርመራ ክግበረሎምን፡ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ “ብምስቓይ፣ ብምጭዋይን ሃለዋቱ ብምስዋርን” ክሕተቱን ፍርዲ ክረኽቡን ድማ ይጠልብ።
እቶም ክሕተቱ ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰበ-ስልጣን ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስተር ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ’ሎ።
ዳዊት ኢሳቕ መን እዩ?
ዳዊት ኢሳቕ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ እዩ።
ኣብ 2001፡ መንግስቲ ኤርትራ ንጋዜጠኛታትን ተቐናቐንትን ክኣስር ከሎ፡ ዳዊት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክሳብ 2005 ብህይወት ከምዘሎ ጽንጽንታ’ኳ እንተነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።

ምንጪ ስእሊ, ©EU/Belga/SCANPIX/KALLE AHLS
ዳዊት ኢሳቕ፡ ብ2011 ሽልማት ዓለማዊ ናጽነት ፕሬስ ተዋሂብዎ እዩ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ክእሰር እንከሎ፡ ዝኾነ ክሲ ኣይቐረበሉን፤ ስድራ ኮነ ጠበቓታት’ውን ኣይረኸብዎን።
ኤርትራ፡ ብናጽነት ፕሬስ ካብተን ኣብ ዓለም ኣብ ድሕሪት ዝስርዓ ሃገራት ኮይና፡ ኣብ’ታ ሃገር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኮነ ካልእ ዓይነት ናይ ብሕቲ መራኸብቲ ሓፋሽ የለዋን።
መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይብል?
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጠሊቡ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኤርትራ ግን ነዚ ጠለብ፡ ብሓፈሽኡ "መርዛም" ምትእትታው ክትብል እያ መልሲ ሂባትሉ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ” ኢሉ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







