ዶክተር ዳንኤል ረዘነ: "ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክርሳዕ ይድለ ኣሎ"

ምንጪ ስእሊ, Björn Tunbäck
ፔን ኦስትርያ፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ደረስትን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ዘትዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋና ከተማ ኦስተርያ ቬና፤ ብፔን ኦስተርያ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝዝቲ ኣኼባ ከምዝገበረ፡ ኣብቲ ኣኼና ንፔን ኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሓደ ካብ መስረትቲ ፔን ኤርትራን ኣባል ማሕረሰብ ሕጊ ኤርትራውያን ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ተመሳሳሊ ኣኼባ ተኻይዱ ምንባሩ ዝሓበረ ዶክተር ዳንኤል፡ ፔን ኤርትራ ብምትሕብባር ፔን ኦስተርያ 'ኣንሰርሰርድ ቮይስስ' ትብል እኩባት ዛንታታትን ግጥምታትን ዝሓዘት መጽሓፍ ተሓቲማ ምንባራ የረድእ።
ኣብዚ ሎሚ ዓመት'ውን ብኤርትራዊት ሄለን ኪዳን "ሆፕ ኤንድ ኣዘር ፖይምስ" ዝተሰመየት ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሓፈት መጽሓፍ ተሓቲማ'ላ።
ዕላም እቲ ኣኼባ እንታይ እዩ ?
ዕላማ እዚ ኣብ ቬና ኦስትራያ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሰል ናይ ጽሓፍቲ፡ ደረስትን ጋዜጠኛታትን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ'ውን ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝረክብን፡ ፍታሓት ብኸመይ ክርከብ ከምዝክኣልን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ብኸመይ ከምዝምዕብልን ዝዝቲ ምንባሩ ዶክተር ዳንኤል ገሊጹልና።
ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት'ውን ካብቲ ዝተላዓለ ጉዳያት እዩ ነይሩ ዝበለ ዶክተር ዳንኤል "ሓደ ካብኡ ክኣ ናይ ጋዜጠኛ ኤርትራዊ ስዊድናዊ ዳዊት ኢሳቕ እዩ ነይሩ" ይብል።
ናይ ዳዊት ኢሳቕ እኩብ ግጥምታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን፤ ብኣባላት ፔን ኤርትራ ናብ እንግሊዝ ተተርጒሙ [ እቲ ትርጉም ብኣባላት ፔን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ቴድሮስ ኣብርሃምን እዩ ተገይሩ ] ከምዝተሓተመ ዶክተር ዳንኤል ይገልጽ።
"ብዛዕባ እቲ መጽሓፍን ኩነታት ዳዊት ኢሳቕን ብኣባላት 'ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ጨንፈር ሽወደን' ዝቀረበ ሓጺር ጸብጻብ'ውን ነይሩ" ኢሉ።
ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ፡ ኣፍሪቃዊ ኮምሽን ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2018፤ ንጉዳይ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝሃቦ ውሳነ'ውን ምስ ሓፈሻዊ ሰብአዊ መሰላት ኤርትራ ከምዝተሓሓዝ ዝሕብር ዶክተር ዳንኤል፤ "ብርሃነ ኣብርሀ መጽሓፍ ስለዝጽሓፈ'ዩ እዚ ወሪድዎ" ብምባል ኣብቲ ኣኼባ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ከምዘቕረበ ይሕብር።
ኣብ ፔን ኦስተርያ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ 'መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኣምነሉን ዝኽተሎን ፖሊሲ እንታይ ለውጢ እዩ ከምጽእ?' ንዝብል ሕቶ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ብኸምዚ መሊስዎ።
"ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝመጽእ ለውጢ የለን"
ባህርያትን ኣካይዳን መንግስቲ ኤርትራ ንዝፈልጥ ሰብ፡ እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳትን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣፍልጦ ናይ ምዝርጋሕ ዕማማትን፡ ምናልባት ዘይክዓጅቦም ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።
እቲ መሰረታዊ ዕላማ ግን፡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስን ቃልሲ ክሳብ ዝኾነ፡ ብዙሕ ግዜን ጸዕርን ዝሓትት ምኳኑ የብርህ ዶክተር ዳንኤል።
"እቲ ዝህልዎ ጽልዋን ዘምጽኦ ውጽኢታትን ብእኡ መጠን'ዩ ክልካዕ ዘለዎ" ድሕሪ ምባል "ኣብ ውህሉል፣ እኩብ ድምር ወጽኢት ከምጽእ ከምዝኽል ግን ንተኣማመን ኢና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Björn Tunbäck
ፔን ኢንተርናሽናል እንታይ እዩ?
ኣብ 1921 ዝተመስረተ ፔን ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣውሮጳ 25 ዝተፈላለያ ጨንፈራት ማሕበር ከቕውም እንከሎ፡ ኣብ 1931 ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ቻይና መሓውራቱ ክዝርግሕ ክኢሉ እዩ።
ኣብዚ እዋን ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ 146 ጨናፍር ዘለዎ ፔን ኢንተርናሽናል፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይ ጽሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ጋዜጠኛታትን ስነ ጥበባውያንን እዩ።
ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣብ ሎንዶን ይርከብ።
ዕላማ ፔን ኢንተርናሽናል፤ መሰል ምጽሓፍን ሓሳብካ ምግላጽን ከውሕስ ይጽዕር። እዚ መሰል እዚ ምስዝዕንቀጽ፡ ኣብ ክንዲ እቶም መሰሎም ዝተጋሃሱ ደው ኢሉ ይማጎትን ይጣበቕን።
ፔን ኤርትራ'ውን ኣካል እዚ ማሕበር ኮይኑ ኣብ መበል 80 ኣኼባ ፔን ኢንተርርናሽናል ኣብ ኪርጊስታን ከተማ ቢሽኬክ ኣብ ትቕምቲ 2014 ተመስሪቱ።
ፔን ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኽቐውም ስለዘየኽኣለ፡ ኣብ ስደት ክቀውም ከምዝተገደደ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ይሕብር።
ሓድሽ ምዕባለ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን
ምስዚ ሓድሽ ሃዋህው ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዛሚዱ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክርሳዕ ይድለ ምህላዉ ዶክተር ዳንኤል ይዛረብ።
"እዚ መስርሕ ሰላም ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መሰላት ደረስትን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝኾነ ይኹን ዝተለወጠ ነገር የለን" ይብል።
ዶክተር ዳንኤል ኣብ መወዳእታ "መዓስ ለውጢ ይመጽእ ብዘየገድስ፡ ክዕወት ምዃኑ ብዘይምጥርጣር ነዚ ክንነግር ክኣ ሓላፍነት ኣለና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







