ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ደራሲ "ሃገረይ ኤርትራ" ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ክፍታሕ ጸዊዑ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, AMNESTY INTERNATIONAL

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ትማሊ ረፋድ ኣብ ኣስመራ ዝተኣስረ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ብህፁፅ ክፍታሕ ጸዊዑ።

"ኣቶ ብርሃነ፡ ብዛዕባ ምሕደራ ናይ ሃገሩ ዝምልከት ሓሳቡ ብምግላጹ ጥራሕ ምእሳሩ" ዘጉሂ ከምዝኾነ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ፡ ጁኣን ኒያንኡኪ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ንመሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብትሪ እትነቅፍ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ደገ ዘሕተማ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ትማሊ ሰኑይ ረፋድ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝተኣስረ፡ ቤተሰቡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም'ዮም።

ሓደ ቀረባ ዘመዱ ዝኾነ ኮሎነል ጸጉ ፍሳህየ፡ ኣቶ ብርሃነ ምስ ወዱ፡ ኣብ ከተማ ክቖርስ ምስ ወጽአ ናይ ጸጥታ'ዮም ዝበልዎም ሰባት ብማኪና ከም ዝወሰድዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ናበይ ከምዝወሰዱዎ ግን ቤተሰቡ እውን ኣይፈለጥናን ይብሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ማእሰርቲ ዝብሎ እንተሎ ተወኪስናዮ፡ ዝረኸብናዮ መልሲ ግን የለን።

"በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ያ። ብርሃነ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣለዉዎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ኣሎ፡ ሰለስተ ግን ኣብ ዓዲ ኣለዉ፡ ብዘይ ኣቦን ብዘይ ኣደን ዘኽቲሞም ተሪፎም ኣለዉ ማለት'ዩ"።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ዝደረሳ "ሃገረይ ኤርትራ" እትብል ክልተ ቅጽታት ዘለዋ መጽሓፉ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ወዱን ፍሉጣት ኤርትራውያን ምሁራትን ፓለቲካውያን ባእታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቓ ክትዝርጋሕ ጀሚራ'ላ።

"እቲ ስርዓት ባህሪኡን ጠባዩን እናፈለጠ፡ ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ርእሲኡ ክወሰድ ዝኽእል ስጉምቲ እናፈለጠ፡ ንክስዋእ ተዓጢቑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ'ዩ" ይብል እቲ ንባዕሉ'ውን ተጋዳላይ ዝነበረን ብደረጃ ወታሃደራዊ ማዕርግ ኣባል ሰራዊት ዝነበረ ጸጉ።

ገበር ናይታ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝጸሓፋ መጽሓፍ "ሃገረይ ኤርትራ"

ምንጪ ስእሊ, Berhane Abrehe

ንሱ፡ ኣብ 2001 ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ድሕሪ ምስራሕ፡ ንተሓታትነት ብዝምልከት ቅሬታ ስለዝነበሮ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ፡ "ደስኪሉ" ከም ዝጸንሐን፡ ድሒሩ ድማ ምስ ምህዳም ሓደ ወዱ ካብታ ሃገር ብዝተሓሓዝ ምኽንያት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ይዝረብ።

ብዘይካ'ዚ ኣቶ ብርሃነ፡ ብሰንኪ ምስኣን ጥዕና ኣብቲ መጀመርታ ኣብ ዓዲ ጥልያን ክሕከም'ኳ እንተተፈቐደሉ፡ ደሓር ግን ካብ ኤርትራ ከወጽእ ከም ዝተኸልከለ'ውን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምሃር፡ ኣብ ኣመሪካ ብቁጠባዊ ምህንድስና ብኻልኣይ ዲግሪ ተመሪቑ።

ኣብ 1975 ናብ ሰውራ ኤርትራ ከምዝተሰለፈ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ይዝክር።

ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብምዃን ከምዝተመረጸ ይፍለጥ።