ኤርትራ ንውሳነ ባይቶ ኣውሮጳ "መርዛም" ክትብል ምላሽ ሂባትሉ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, Mary Harper

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ባይቶ ኣውሮጳ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ምጽውዑ፡ "መርዛም" ምትእትታው ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባትሉ።

እቲ ባይቶ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ክፍትሑን ብፍላይ ድማ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቡ'ሎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ናይ ምሸት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ውሳነ፡ "ግናይ [ቅድመ]-ኩነት ምስግዳድ" ዝፍትን'ዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

"እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ።

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ወሳነ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጸዊዑ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ መንግስቲ፡ ንተቓወምቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ከቋርጾ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባይቶ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጣዕስ ኩነታት ንምፍታሕን፡ ዓለማዊ ክብርታት ደሞክራስን መሰላት ደቂ-ሰባትን ንክኽበር ክስርሕ ተማሕጺኑ።