ካብ ባንኪ ክሰርቕ ኣብ ቱቦ ተቐርቂሩ ዝተረኸበ ኢጣልያዊ

ክሰርቕ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ ጣሊያናዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ካብ ባንኪ ንምስራቕ ይጉዓዝ ከምዝነበረ ዝተጠርጠረ ሓደ ጣሊናያዊ ኣብ ጥቓ ቫቲካን ኣብ ቱቦ ተቐርቂሩ ስለዝተረኸበ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ኣድሒኖምዎ።

ሰራሕተኛታት ሃንደበታዊ ሓደጋታት ነቲ ወዲ ንምድሓን ናብ ሻምበቆ መተሓላለፊ ረሳሕ ማይ ንምብጻሕ 8 ሰዓታት ዝወሰደ ኳዕቲ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

 ካብ ውሽጢ ዓᎃቕ ጉድጓድ ዝወጽአ እቲ ጥርጡር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ናብዮት ይግበረሉ ስለዘሎ ይሓዊ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 ፖሊስ ነቲ ወድን ካልኦት ክልተ ሰባትን ብገበን ምዕናው ንብረት ህዝቢ ክኸሶም ምድላዋት ይገብር’ሎ።

 እቲ ጥርጡር ኣባል ናይቶም ባንኪ ንምዝራፍ ዝጽዕቱ ጉሓላሉ ክኸውን ከምዝኽእል መኮነናት ፖሊስ ሓቢሮም።

ካልኦት ክልተ ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ንፖሊስ ብዘይምትሕብባር ብዝብል ገበን ከምዝተኸሰሱ መራኸብቲ ሓፋሽ ጣሊያን ኣቃሊሔን።

ባንኪ ንምዝራፍ ፈተነ ኣካይዶም ተባሂሎም ካብ ዝተጠርጠሩ ሰባት እቶም ሰለስተ እቲ ባዕቲ ቅድሚ ምድህማሱ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ኮይኖም፡ እቲ ሕይ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ውልቀ ሰብ ግን 6 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ጉድጓድ ተቐርቂሩ እዩ ተረኺቡ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንናይ ፈረንሳይ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ምርመራና ይቅጽል’ዩ ዘሎ። እቶም ሰባት ሰረቕቲ’ዮም ናብ ዝብል መደምደምታ ኣይበጽሓናን ዘለና” ኢሉ።

 እቲ ኣብ ትሕቲ እቶም ሓደሽቲ ድኳናት ዝርከብ ሻምበቆ መእለይ ረሳሕ ፈሳሲ ናብ ክልተ ባንክታት ኣዝዩ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

 ማዕኸናት ዜና ጣሊያን፡ እቶም ሰባት ከተማ ጸጥ ኣብ ዝበለትሉን ኣብ ናይ ዕረፍቲ ሰዓትን ኣብ ጥቓ ባንኪ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ምርካብ ማለት ዕላምኦም እንታይ ከምዝኾነ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእይ’ዩ ዝብል ሓበሬታ የቃልሓ ኣለዋ።

 ነባሪ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝተኸሰተ ነገር ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ የብልናን ኢሉ። “ኩላትና ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ስራሕቲ ሕደሳ’ዮም ዘለዉ ዝብል ሓሳብ’ዩ ነይሩና” ኢሉ።